Home ዜና መዓልቶም ዝሓለፎም ኣፋውስን ንፀሓይ ብርሃን ዝተቃልዑ መግብታትን ምጥቃም ንሕማምን  ሞትን ከምዘሳጥሕ  በዓል...

መዓልቶም ዝሓለፎም ኣፋውስን ንፀሓይ ብርሃን ዝተቃልዑ መግብታትን ምጥቃም ንሕማምን  ሞትን ከምዘሳጥሕ  በዓል መዚ ቁፅፅር መግቢን መድሓኒትን ትካላት ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

330

ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ብርክት ዝበሉ መዓልቶም ዝሓለፎም  መድሓኒት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ትግራይ ይኣትው ከምዝነበሩን ሐዚ እውን ይኣትው  ከምዘለውን ሓላፊ በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢን መድሓኒትን ትካላት ጥዕና ትግራይ ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም ገሊፆም፡፡

ነዚ ንምቁፅፃር ኣብ ልዕሊ 319 ትካላት ተፍትሽ ብምክያድ ኣብቶም 80 ሚኢታዊ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ተዛሪቦም፡፡

መዓልቶም ዝሓለፈ ኣፋውስን ንፀሓይ ብርሃን ዝተቓልዑ መግብን ኣብ እንጥቀመሉ እዋን ንሕማም እንተቢኢሱ ድማ ንሞት ዘሳጥሕ ከምዝኾነ እዮም ኣይተ ጠዓመ ዝገልፁ፡፡

ዝኾነ ይኹን ኣፋውስን መግብን  ንጥዕናና ሓደጋ ከየስዕብ ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድሊ ዘተሓሳሰቡ እቶም ሓላፊ ብፍላይ ኣብ ፀሓይ ተዘርጊሑ ካብ  ዝሽየጥ መግብን ፈሳስን ካብ ምጥቃም ምቑጣብ ይድሊ ኢሎም፡፡

ዘይሕጋዊ ኣፋውስን ምግብን  ንምቁፅፃር ምስ  መሓውር ፀጥታ  ተዋዲድካ ይስራሕ ዋላ እኳ እንተሃለወ ሕ/ሰብ ተሳትፍኡ ንከዕዝዝ ተላብዮም፡፡

ብኣበባ ፅጋቡ