ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ምስ ሄማልያን ካታራክት ፕሮጀክት ብምትሕብባር ካብ 24 ክሳብ 29 ሰነ 2015 ዓ/ም ን800 ተሓከምቲ መጥባሕቲ ሓበላ ዓይኒ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/9-7-1024x472.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/10-3-1024x471.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/12-3-1024x471.jpg)
እቲ ሆስፒታል ነዚ ዕማም ንምዕዋት ዛጊድ ስራሕቲ ቅደመ ምምማይ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ኣኽሱም፣ ሆስፒታል ውቕሮ ማራይ፣ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓድዋ፣ ጣብያ ጥዕና ዳዕሮ ሓፋሽ፣መባእታዊ ሆስፒታል ሰመማ፣ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሽረን መባእታዊ ሆስፒታል ሰለኽለኻን ኣብ ምክያድ ከም ዝርከብ ሓቢሩ። ስለዚ ድማ በዚ ኣብ ታሕቲ ወፅዩ ዘሎ መርሃ ግብሪ ናይቲ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ንክትኮኑ ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ኣተሓሳሲቡ።
ምንጪ:-#Aksum_University_CHS &Comprehensive Specialized Hospital