Home ዜና መደብ መጥባሕቲ ሓበላ ዓይኒ

መደብ መጥባሕቲ ሓበላ ዓይኒ

536

ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ምስ ሄማልያን ካታራክት ፕሮጀክት ብምትሕብባር ካብ 24 ክሳብ 29 ሰነ 2015 ዓ/ም ን800 ተሓከምቲ መጥባሕቲ ሓበላ ዓይኒ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ።

እቲ ሆስፒታል ነዚ ዕማም ንምዕዋት ዛጊድ ስራሕቲ ቅደመ ምምማይ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ኣኽሱም፣ ሆስፒታል ውቕሮ ማራይ፣ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓድዋ፣ ጣብያ ጥዕና ዳዕሮ ሓፋሽ፣መባእታዊ ሆስፒታል ሰመማ፣ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሽረን መባእታዊ ሆስፒታል ሰለኽለኻን ኣብ ምክያድ ከም ዝርከብ ሓቢሩ። ስለዚ ድማ በዚ ኣብ ታሕቲ ወፅዩ ዘሎ መርሃ ግብሪ ናይቲ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ንክትኮኑ ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ኣተሓሳሲቡ።

ምንጪ:-#Aksum_University_CHS &Comprehensive Specialized Hospital