Home ዜና መድረኽ “ምርግጋፅ ሕዉየት ትግራይ”

መድረኽ “ምርግጋፅ ሕዉየት ትግራይ”

602

መድረኽ”ምርግጋፅ ሕዉየት ትግራይ”ብምትሕብባር ኤጄንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ: ማሕበር ልምዓት ትግራይን ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦን ይሳለጥ ኣሎ።ኣብቲ መድረኽ መኽፈቲ ዘረባ ዘስምዑ ተወካሊ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/ሄር ትግራይ ኣብ ወሳኒ መድረኽ ብምህላዋ ደጊማ ክትሓዊ ፕሮጀክት ሓድነት ተጋሩ ዝዉህለለሉ ባንኪ ሓሳባት ክህሉን ብተግባር ተሸሪፉ ብኹለመዳይ ምዕብልቲ ትግራይ ምፍጣርን ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ማሕበር ሙሁራት ዩኒቨርስቲታት ትግራይ ፕሮፌሰር እምሩ ብርሃነ ብግዲኦም ከምዚኦም ዝዓይነቶም ሓሰብ ዝዉሕዝሎም መድረኻት ትካላዊ ቅርፂ ሒዞም ንክኸዱ ምንቅስቃሳት ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም። ሕውየት ትግራይ ንትንሳኤ ምዕብልቲ ትግራይ ብዝብል ርእሲ ብኢንጅነር ታደሰ የማነ ዝቀረበ እንትኸዉን ኩሎም ኣፈላላያትና ትሕቲ ትግራይ ብምግባር ትግራይ ኣብ ሓፂር ግዜ ክትሓውን ብራኸኣ ክተግህድን ዝለዓለ ስራሕ የድልይ ዝበሉ እንትኾኑ እዚ ክዉን ክኸዉን ድማ ትግራይን ተጋሩ ነንባዕልና ክንከባበርን ክንረዳዳእን ይግባእ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ሕውየት ትግራይ ንምክትል ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ሓዊሱ ካልኦት ኣባላት ካብኔን ዝተፈላለዩ ዕዱማትን ኣጋይሽ ይሳተፉሉ ኣለው። እቲ መድረኽ ሕዚ እዉን እናቐፀለ እዩ።

ብእየሩሳሌም ገ/መድህን