Home ዜና መድረኽ ምኽክር ኢንቨስትመንት ከተማ መቐለ

መድረኽ ምኽክር ኢንቨስትመንት ከተማ መቐለ

153

መሬት ወሲዶም ከልምዑ ንዝደልዩ ሰብ ሃፍቲ ንምድጋፍን ብሕግን መምርሕን ንዘየልምዑ ሰብ ሃፍቲ ድማ ሕጋዊ መስርሕ ንምትግባር ይስራሕ ከምዘሎ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ሰብ ሃፍትን ኣካላት ኣመራርሓን ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ምኽክር ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት መሬት ኣብ ዝወሰዱ ሰብ ሃፍቲ ከተማ መቐለ ኮሚቴ መፅናዕቲ ተጣይሹ ዝተገበረ መፅናዕቲ ዝቐረበ ኾይኑ ቅድሚ ኲናት ኣብ ማኒፋክቹሪንግ ኢንቨስትመንት ከልምዑ መሬት ካብ ዝወሰዱ 893 ሰብ ሃፍቲ እቶም 111 ሰብ ሃፍቲ ጥራሕ ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ገሊፆም።

እቶም ፀገማት ብወገን ሰብ ሃፍቲ ሕግን መስርሕን ሒዝካ ዘይምስራሕን ኣብ ፀገማት መሰረተ ልምዓት ዝኸኣልዎ ኣበርክቶ ገሮም ናብ ስራሕ ዘይምእታው ብወገን መንግስቲ ድማ ንሓረስቶት ብእዋኑ ካሕሳ ዘይምኽፋል፣ መሰረተ ልምዓት ዘይምምላእን ንሰብ ሃፍቲ ደገፍን ክትትልን ዘይምግባርን ከምዝኾኑ ይዛረቡ።

እቶም ሰብ ሃፍቲ ንስራሕቶም ዕንቅፋት ይኾኑዎም ዝበልዎን ፀገማት መሰረተ ልምዓት መንገዲ፣ ማይ፣ መብራህቲ፣ ካሕሳ መሬትን መስፋሕፍሒ ኢንቨስትመንት ኣልዒሎም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ዳኒአል ሞኮነንን ሓላፊ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሪጅን ሰሜን ኣይተ መስፍን ገ/መድህንን እቶም ፀገማት መሰረተ ልምዓትን ሕቶታት ምስፍሕፋሕ ኢንቨስትመንትን ንምፍታሕ ጅማሮታት ከምዘለዉን ቐልጢፍካ ናብ ስራሕ ንምእታው ፃዕርታት ይግበሩ ከምዘለዉን ሓቢሮም።

ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣማሃ ናብ ልምዓት ዝኣትዉ ሰብ ሃፍቲ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈን ኣብ ባይታ ወሪድካ ፀገማቶም ንምፍታሕ ከምዝስራሕን ካብ ሕግን ስርዓትን ወፂኦም ባዶ መሬት ሓፂሮም ሒዞም ዘለዉ ሰብ ሃፍቲ ሕጋዊ መስርሕ ንምትግባር ከምዝስራሕ ድማ ገሊፆም።

ድሕሪ ኲናት ኣብ ኸቢድ ፀገም ኮይኖም ዝተሃሰዩ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ንምንቕቓሕ ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ ልምዓት ዝኣተዉ ሰብ ሃፍቲ ንካልኦት መርአያ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

ብገ/መድህን ተ/መድህን