Home ዜና መድረኽ ምኽክር ኣብ ለበዳ ኤች ኣይቪ ኤድስ

መድረኽ ምኽክር ኣብ ለበዳ ኤች ኣይቪ ኤድስ

511

ሓይልታት ፅንተት ኮነ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብዝፈጸምዎ ጭካነ ዝተመልኦ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ትግራይ ዳርጋ ክጠፍእ ኢሉ ዝነበረ ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ሕዚ ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ ይርከብ ኢሎም ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ። ለበዳ ኤችአይቪ ኤድስ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ቢሮ ጥዕና ትግራይን ዩኒቨርሲቲ መቐለን ብምትሕብባር መድረኽ ዘተ ኣካይዶም።

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትግራይ ጀኖሳይዳዊ ወረራ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኮነ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብዝፈጸምዎ ጭካነ ዝተመልኦ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ትግራይ ዳርጋ ክጠፍእ ኢሉ ዝነበረ ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ሕዚ ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ ይርከብ ኢሎም ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ።

ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብ ዓውደ ጥዕና ርኡይ ለውጢ ተመዝጊቡ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ ፕሬዘዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋን ወራር ግና ሓይልታት ፅንተት ብዝተዋደደ መንገዲ መሰረተ ልምዓት ጥዕና ክዓኑን ኤች ኣይቪ ኤድስ ክስፋሕፋሕን ብምግባር ካብ ኲናት ዝተረፈ ህዝቢ በቲ ለበዳ ክፀንት ከምዝፈረድሉ ሓቢሮም።

ነቲ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ለበዳ እቲ ሕማም ንምክልኻልን ኣብ ዓዉደ ጥዕና ኣድማዒ ውፅኢት ንኽምዝገብ ብምስራሕ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ዜጋ ንኽፍጠርን ትኹረት ተዋሂቡ ከም ዝስራሕ ኣብሪሆም። ቅድሚ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ፀረ ኤች አይቪ መድሓኒት ይወስዱ ካብ ዝነበሩ ልዕሊ 46 ሽሕ ወገናት ወገናት እቶም ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ዛጊድ ደሃዮም ከምዘይፍለጥን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዉሱን ምርመራ ኤችኣይቪ ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እቲ ለበዳ ኣብ ዘስግእ ኩታት ምህላዉ ዘመላኽት ምዃኑ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ኣረዲኦም።

ኤች ኣይቪ ኤድስ ንምክልኻል ከም ሰብ ሞያ ኮነ ትካላት ግዜ ከየጥፍኣ ብምስራሕ ነቲ ሓደጋ ክንከላኸሎ ይግባእ ኢሎም ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ። ለበዳ ኤች ኣይቪ ኤድስ ዘስዕቦ ሓደጋ ኩሉ ትግራዋይ ተገንዚቡ ዓርሱን ወገናቱን ከድሕን ዕቱብ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

#ብገብረመስቀል ኪሮስ