Home ዜና መግለጺ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ

መግለጺ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ

520

መግለጺ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ

ብህራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና )ማሕበረሰብ ዓለም ንምሉእ ትግበራ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ከፈጽሙ ዘኽእሉ ስጉምቲ ክወስድ ጻዊዒት ኣቕሪቡ፡፡ ውድብ ባይቶና ኣብ ህልው እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቡ ናብ ኣቦወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ሞሃመት፣ናብ ፍሉይ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሉሴጎን ኦቦሳንጆ ፣ናብ ነበር ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ናብ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፉምዚላ ምላምቦ፣ናብ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመርን ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኤውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣኔታ ዌበርን ኣብ ዝለኣኾ ቁሉዕ ደብዳቤ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ኩነታት ብውነ ተገንዚቦም ምእንቲ ዘላቒ ሰላም ክበሃል ንምሉእ ትግበራ ስምምዕነት ፕሪትሪያ ከፈጽሙ ዘኽእሉ ስጉምቲ ክወስዱ ፃዊዒቱ ኣቕርቡ፡፡

ብዘላቕነት ሰላም ከምጽእ ትጽቢት ንዝተገበረሉ ምሉእ ትግበራ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ዘለዎ ድልውነት ብተደጋጋሚ ከምዝገለጸ ዘገንዘበ ባይቶና እንተኾነ ኣብ ባይታ ወርድካ ብዛዕባ ዘሎ ዝሑቱል ኣፈጻጽምኡ ግና ሻቅሎት ከምዝፈጠረሉ ኣገንዚቡ፡፡

ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወጻእ ዝኾኑ ሓይልታት ሕዚ እውን ኣበ መሬት ትግራይ ምህላዎም፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከምዘይተመለሱን ሕገመንግስታዊ ውሕስና ዘለዎ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ስርዓት ኤርትራን ምህላውን ከምኡን ኣብ እዋን ኩናት ጀኖሳይድ ትግራይ ንዝተፈጸሙ ገበናት ተሓታትነት ብዘረጋግጽ መንገዲ ክሳብ ሕዚ ኣይተተግበረን ኢሉ፡፡

እዚ ድማ ንሰባት ናብ ዘየድልይ ስምዒት ኣእትዩ ተጀሚሩ ንዘሎ ከይዲ ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘእትወ እዩ ዝበለ መግለጺ ባይቶና ብፍላይ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ኣፍልጦ ኣብ ዘለወን ግዝኣታት ትግራይ ዝፈጸሞ ግበታዊ ስነ-ሓሳብ ብትረት ክኹነን ይግባእ ኢሉ፡፡ ኣብ መወዳእታ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ብዕቱብ ተኸታቲሉ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ትግራይ ክወፁ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ፣ኩለም ምምሕዳራት ዞባታትን ወረዳታትን ኣብ ትሕቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክመሓደሩን ከምኡ እውን ብገበን ዝሕተቱ ኣካላት ካብ ተሓታትነት ነጻ ከምዘይወጹን ብዘረጋግጽ መንገዲ ኣብ ባይታ ወሪዶም ስራሓቶም ከሰላሳሉ ባይቶና ጸዊዑ፡፡

#ጸጋይ መኮነን