Home ዜና መግለፂ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ

መግለፂ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ

526

ወራሪ ስርዓት ኤርትራ ሰራዊቱ ወሪሩ ካብ ዝሓዞ መሬት ትግራይ ጠቕሊሉ ከውፅእን ንዝፈፀሞ ገበናት ድማ ተሓታቲ ክኸውንን ኣሜሪካ ኣተሓሳሲባ። ኣሜሪካ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 53 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞም ዘሎ ገበናት ከምእትኹንኖ ኣፍሊጣ። ስርዓት ኤርትራ ኩሎም ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ወሪሮም ካብ ዝሓዝዎ መሬት ጠቕሊሎም ክወፁን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ካብ ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ክቑጠቡን ኣተሓሳሲባ። ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝፈፀመቶ ወራር ብኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተፈጸመ ግፍዒ ገበናት፣ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዘጠቓልል፡ ክሳብ ሕጂ ብኸቢድ የሻቕለና ኣሎ ዝበለት ኣሜሪካ ብኸምዚ ዝበለ ገበን ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ብሕጊ ምሕታት ግድን ክኸውን እዩ ኢላ።

ብተወሳኺ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝገብሮ ዘሎ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ኣተሓሕዛ፣ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ሓሳብካ ምግላጽን ሃይማኖት ወይ እምነትን ናጽነት ዝጥቀሙ ሰባት ዝፍፀም ስቅያት፣ብዘይፍቓድ ምእሳርን ካልእ ግህሰትን ዝገልጽ ጸብጻባት ሓዊሱ ከም እትኹንኖ ኣብ ዘውፀኣቶ መግለፂ ኣፍሊጣ። ብዘይካ እዚ ኤርትራ ንዘይተወሰነ ግዜ ዝፀንሐ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስርዓትን ዘይሕጋዊ ምልመላን ኣጠቓቕማን ህጻናት ወተሃደራትን ዝኹነን ተግባር ኢዩ ኢላ። ኤርትራ ካብ ሱዳን ንዝመጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከም ዘምለሰቶም ኣብ ቀረባ እዋን ብዘስምዕዎ ጸብጻባት ኣሰካፊዑና ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዘይሕጋውን ፅዩፍን ተግባራት ከብቅዕን ኣዝዩ ዘድሊ ሃገራዊ ፅገናታት ከእቱን ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚት ተወካሊት ኣሜሪካ ኣምባሳደር ሚሸል ተይለር ኣተሓሳሲባ። #ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ