Home ዜና መግለፂ ማሕበረሰብ ምሁራን ዩኒቨርስታት ትግራይ

መግለፂ ማሕበረሰብ ምሁራን ዩኒቨርስታት ትግራይ

498

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዕታት ጠጠው ክብል፣ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ክወፁን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ይግባእ ክብል ማሕበረሰብ ምሁራን ዩኒቨርስታት ትግራይ ፀዊዑ።

ሓይልታት ኣምሓራ ለውጢ ኣሰፋፍራ ንምግባር ዓሊሞም ተጋሩ ብምፍንቃል ዝቕፅልሉ ዘለዉ ሓዱሽ ኣሰፋፍራ ብቅልጡፍ ጠጠው ከብሉን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክወፁን ማሕበረሰብ ዓለም ፀቅጢ ክገብር ማሕበረሰብ ምሁራን ዩኒቨርስታት ትግራይ ኣብ ዝፅሓፎ ደብዳበ ሓቢሩ።

ሓይልታት ኣምሓራ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ንምፅራግ ብዝሓዝዎ ትልሚ ብዝለዓለ ብርኪ እናቐፀሉ ከም ዝርከቡ ዝሓበረ እቲ ማሕበር ተጋሩ ብመንነቶም ጥራይ ክእሰሩ፤ ክንገላትዑ፣ ኢሉ እውን ንብረት መንግስትን ውልቀን ኾነ ኢሎም ይጉሕሉዎን የዕንዎን ከም ዘለው ሓቢሩ።

ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሬት ትግራይ ወሪሮም ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ግዝኣት ትግራይ ዛጊድ ከውፅኦም ከምዘይኽኣለ ዝሓበረ እቲ ማሕበር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝቕፅል ዘሎ ኩሉ ዓይነት ግፍዕታት እንትፍፀም ዛጊድ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዘየለ ገሊፁ።

እቲ ማሕበር ንሕብረት ኣፍሪካ፣ ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንዩናይትድ ስቴት ኣሜሪካን ኣብ ዝፅሓፎ ደብዳበ በቶም ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምፍንቃል ተጋሩ ብህፁፅ ጠጠው ክብልን ዝተፈናቀሉን ዝተሰደዱን ተጋሩ ናብ መረበቶም ክምለሱ ሓቲቱ ኣሎ።