Home ዜና “ኩፍእን ሽርሓዉን ተግባር ሚኒስተር ትምህርቲ ንኹንን” ማተስኣ

“ኩፍእን ሽርሓዉን ተግባር ሚኒስተር ትምህርቲ ንኹንን” ማተስኣ

592

“ኩፍእን ሽርሓዉን ተግባር ሚኒስተር ትምህርቲ ንኹንን” ማተስኣ

ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ሉዓላዊ ግዝኣት መሬት ትግራይ ዝኾኑ ዞባታት ደቡብ፣ምዕራብን ክፋል ሰሜን ምዕራብን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክልል ኣምሓራ ኣካሊሉ ኣብ ዕላዊ ድሕረ ገፁ ምውዝዑ ትልሙን ሽርሒ ዝተሓወሶን ብምዃኑ ብትሪ ከምዝኹንን ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዝፈፀሞ ክፉእ ተግባር ከምዝኹንን ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። እቲ ማሕበር ኣብ ዘዉፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ነቲ ኣፀያፊን ንጎንፂ ዘለዓዕልን ተግባር ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብትሪ ኮኒንዎ ኣሎ።ቐንዲ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ብዝኾነ ዝምራሕ ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግዝኣት ትግራይ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣምሓራ ከምዝኾና ገይሩ ኣሎ ዝበለ እቲ መግለፂ ኢዚ ድማ ሕገ መግስቲ ኢፌድሪ ዝጠሓሰ ምኻኑ ኣረዲኡ።እዚ ዉሳነ ኮነ ተባሂሉ ትእዛዛት ወርቲ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ብዘፈፅምን ንዉዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብዝፃባእን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብዘየኽብር መልክዑ ብሽርሒ ዝተገበረ ካብ ምዃን ወፃኢ ካልእ ክኸዉን ከምዘይኽእልን እዉን እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ።

ብምዃኑ ድማ መንግስቲ ፌደራልን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ነቲ ሕገመንግስቲ እዛ ሃገር ጥሒሱ ነዚ ተግባር ዝፈፀመ ሚኒስተር ቤት ዕዮ ኣቕሪቡቦምተሓታቲ ብምግባር ነቲ ሕገ መንግስቲ ጠበቓ ምኻኖም ብተግባር ከርእዩ ንፅዉዕ ኢሉ ማተስኣ ኣብ ዘዉፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ።

ደያስፖራ ትግራይ እዉን ነቲ ሽርሓዉን ክፉእን ተግባር ሚኒስተር ትምህርቲ ክቃወምዎን መንግስታቶምን ወከልቶምን ክግንዘብዎ ኣብ ምግባር ክነጥፉን ፀዊዑ።ንቕልጡፍ ግብረ መልሲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነኣደ እቲ ማሕበር ኣብ ቐፃሊ እዉን ኣንፃር ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ማተስኣ ኣብ ጎኑ ከምዝኸዉን ኣረጋጊፁ።

#ሃይለሚካኤል ገሰሰ