Home ዜና መግለፂ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ

መግለፂ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ

614

ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ወራሪ ሰራዊት ኤርትራን ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተጋሩ ናብ መረበቶም ክምለሱ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ፀዊዑ። ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ይካየድ ዘሎ ኲናት ስዒቡ ኣዝዩ ዘሻቕሎ ብምዃኑ ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ነቲ ኲናት ደው ከብሉን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ብምልዛብ ፖለቲካዊ ፍልልያቶም ክፈትሑን ፀቕጢ ክገብር ፀዊዑ።

ብፍላይ ብሰንኪ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራን ካብ ምዕራብ ትግራይ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት [#UNHCR, the UN Refugee Agency ] ኣፅሊሎም ዝርከቡ፣ ናብ ሰማንያ ሽሕ ዝቐርቡ ተጋሩ ኣብ ትሕቲ ቅሉዕ ሓደጋ ምህላዎም የሻቕለና ኣሎ ኢሉ ኣብ መግለፂኡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ድሕንነት እቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተጋሩ ተመዛበልቲ ንምዉሓስ ናብ መረበቶም ትግራይ ክምለሱ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ፀዊዑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ድሕነት ናይቶም ናብ ሃገሮምን ናብ መረበቶምን ዝምለሱ ተመዛበልቲ ተጋሩ ንምርግጋፅ ድማ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ወራሪ ሰራዊት ኤርትራን ካብ ምዕራብ ትግራይ ብህፁፅ ክወፁ ከም ዘለዎም ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ጠጠዉ ንምባል መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ብምልዛብ ፀገማቶም ብሰላም ክፈትሑን ናብ መድረኽ ሰላም ክመፁን እጃም ኣሜሪካ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ሕብረት ኣፍሪካ ከም ዘድንቕ እዉን ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ገሊፁ። ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ #UTNA ነቶም ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ወራርን ኩናትን ስዒቡ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ናብ ጎሮቤት ሱዳን ዝኣተዉ ተጋሩ ተቐቢሉ ውሑስ ፃንሖት ክህልዎም ዝገበረ ለጋስ ህዝቢ ሱዳን ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ወፅዩ ሰላምን ምርግጋዕን ክዓስሎ ትምኒቱ ገሊፁ።