Home ዜና መግለፂ ማእኸላይ ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ

መግለፂ ማእኸላይ ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ

3069

 ሰራዊት ትግራይ ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይሊታት ብግንባር ሰሜን ምብራቅ ዝጀመርዎ ወራር ይምክት ኣሎ

ልፍንታውያን ወረርቲ ቅድሚ 40 መዓልትታት ናብ ዝወልዖ መጠነ ሰፊሕ መቐፀልታ ዝኾነ ደማዊ ኵናት ትማሊ መስከረም 29 /2015 ዓ/ም ብኣንፈት ሰሜን ምብራቕ ትግራይ ማለት ብግንባራት ዛላኣንበሳ ፣ራማን ፆሮናን ጀሚሮም ኣለው፡፡

እዞም ኣረሜኔ ወረርቲ ንከተማ ዓዲግራት፣ራማን ወሰናወሰን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ብዘካየድዎ ደብዳብ  ከቢድ ብረት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ህዝቢን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሖም ኣለዉ፡፡

 እንተኾነ መዘና ኣልቦ ሰራዊት ትግራይ ህዝብና ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ንሽሾ ኣራዊት ዕጡቕ ሓይሊ ፋሽስታውያን ጭፍራ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን እናመከተ ይርከብ፡፡

 እዚ ወራር ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ ምደሪ ንምጥፋእን ደመኛ ፀላእቲና ኩሉ ዓቅሞም ኣዋዲዶም ዝኽእልዎ ኩሉዓይነት ጥፍኣት ንምፍፃም እዩ፡፡

ስለዙይ ህዝብና ከምወትሩ ምስ ሰራዊቱ ኾይኑ ንህልውንኡን ኢሉ  መኸትኡ ዝያዳ ከሐይል ይግባእ፡፡

 ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!

 ትግራይ ትስዕር

ማእኸላይ ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ

መስከረም 30/2015 ዓ/ም