Home ዜና መግለፂ ኣሜሪካ ኣብ ከይዲ ምቁራፅ ተፃብኦታት ትግራይን ኢትዮጵያን ምዕባለታቱን

መግለፂ ኣሜሪካ ኣብ ከይዲ ምቁራፅ ተፃብኦታት ትግራይን ኢትዮጵያን ምዕባለታቱን

575

ሓይልታት ኤርትራን ዘይፈደራላዊ ሓይልታትን [ሓይልታት ኣምሓራ] ካብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ምዉፃእ፣ ትግበራ ተኣማንነት ዘለዎ መስርሕ ስግግር ፍትሒ ሓዊሱ ነቶም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓተትቲ ምግባር ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምምዝጋብ ቁልፊ ከም ዝኾነ ኣሜሪካ ኣተሓሳሲባ።

ነዞም ተግባራት ዝከታተል ንቲ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ትቆፃፃሪን ክትትልን ዝድግፍ ተወሳኺ ሓይሊ ክዋፈር ድማ ሓቲታ።ኣሜሪካ ዛጊድ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቑጺሩ ዘሎ ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስትን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ብ 2 ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣድሂባ ኣብ ዘዉፀአቶ መግለፂ እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ንኽልተ ዓመታት ዝፀንሐ ግጭት ጠጠዉ ዘበለ ምዃኑ ሓቢራ።

ነቲ ስምምዕ ቀፂሉ እዉን መስርሕ ሰላምን ሕውየትን ሎሚ እውን ይቕጽል ኣሎ ዝበለት ኣሜሪካ ነቲ ስምምዕን ከይዲ ኣፈፃፅማኡን ዕዉት ኮይኑ ክኸይድ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ኣካላት ድማ ንኢዳ። ናይቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ (AU) ዝምራሕ መስርሕ፡ ኣሜሪካ ከም ተዓዛቢት ዝተሳተፈትሉ፡ ንወፍሪ ሕብረት ኣፍሪቃ “Silence the Guns”[ስቕታ ጠበንጃ] ከምኡ’ውን ንመሪሕነት ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ፋኪ ማህመትን ንጻዕርታት ላዕለዋይ ደረጃ ፓነል ሕብረት ኤውሮጳ ኣመስጊና።

ኣሜሪካ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕነት ቶኽሲ ጠጠዉ ምባል ንዝተረኸበ ርኡይ ምዕባለ ንምምላስ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት፣ ዋሕዚ ሰብኣዊ ሓገዛት፣ ምዉራድን ምርካብን ከበድቲ ኣፅዋር፣ ምፍታሕ እሱራት፣ ምጅማር ኩለ-መዳያውን ንኹሉ ዝሓቁፍን መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ትግራይ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ንምምስራት ዘኽኣለ ምዃኑ ሓቢራ ።

ኣሜሪካ ንሓለዋ ሲቪላት ዝኸውን ተወሳኺ ተቖፃፀርቲ ብምውፋርን ውፅኢታዊ ዝኾነ መስርሕ ምፍታሕ ኣፅዋር ምክያድ፣ ምጥያሽን ውህደትን ኣብ ምክያድን ቀፃሊ ምክትታል ክካየድ ኣተሓሳሲባ። ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ዘላቒ ሰላም ንምምዝጋብ ግና ሙሉእ ብሙሉእ ምዉፃእ ሓይልታት ኤርትራን ዘይፈደራላውን ሓይልታት [ሓይልታት ኣምሓራ] ካብ ትግራይን ተኣማንነት ዘለዎ መሰጋገሪ መስርሕ ፍትሒ ምርግጋፅን ሓዊሱ ነቶም ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓተትቲ ምግባር ቁልፊ ምዃኑ ኣፍሊጣ።

ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ዕዉት መስርሕ ሰላም ኣብ ክልል ኦሮምያ እውን ሰላም ንምምፃእ ዘሎ ዕድል ዘጉልሕ እዩ ዝበለት ኣሜሪካ ኣብ ታንዛንያ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዝተኣወጀ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝርርብ ምጅማሩ ብሓጎስ ትቕበሎን ኩሎም ወገናት ብሰናይ ድሌት ናብ ብኽልቲኦም ተቐባልነት ዘለዎ ውሳነ ክዘራረቡ ከም እተተባብዕ ኣፍሊጣ። ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ትሕብብር ኣብዚምን ካልኦት ሓባራዊ ረብሓ ዘለዎም ጉዳያትን ብሓባር ንምስራሕ ተወፋይነት ከምዘለዋ ድማ ደጊማ ከም እተረጋግፅ ኣብ መግለፂኣ ኣፍሊጣ።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ