Home ዜና መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

902

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ቅቡልነት ህወሓት ንምስራዝ ዘመሓላለፎ ዉሳነ ንህላወ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ብሓፈሻ ድማ ንከይዲ መስርሕ ሰላም ዘዕንቅፍን ተግባር ብምዃኑ እቲ ቦርድ ውሳኒኡ ዳግም መርሚሩ ከመሓየሾ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፀዊዑ።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ሓይሊ መሰረት ዝገበረ ዓመፅ ተሳቲፉ ኢዩ ብዝብል ምኽንያት ሕጋዊ ሰዉነቱ ክስረዝ ዝወሰኖ ውሳነ ስዒቡ፤ ሓለፍቲ እቲ ውድብ ብሽም እቲ ውድብ ክንቀሳቐሱ ከምዘይኽእሉን ከምኡ እዉን ንብረት እቲ ውድብ ፣ እቲ ዉድብ ዕዳ እንተሃሊእዎ ንምሽፋን ዕድኡ ክዉዕልን ዝተረፈ ገንዘብን ንብረትን ድማ ንስነ-ዜጋን መረፅቲ ትምህርቲ ንክዉዕል ክብል 10 ጥሪ 2015 ዓ.ም ከም ዝወሰነ ዝፍለጥ እዩ።

ይኹን እምበር ህወሓት፤ ነቲ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ብ23 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ፕሪቶርያ ምስ መንግስቲ ፈዴራል ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ፈሪሙ ኢዩ ኢሉ። ብመሰረት እዚ ስምምዕ ህወሓት ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ሕቶታቱ ክምለሰሉ ናብ ዘኽእሎ ምዕራፍ ኣትዩ ተግባራዊ ስራሕቲ ጀሚሩ ከም ዘሎ ዝሓበረ እቲ መግለፂ ከም ውጽኢቱ ድማ ብዉሳነ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ተሰሪዙ ኣብ ሓቛፊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣትዩ መሪሕ ተራኡ ይጻወት ኣሎ ክብል ሓቢሩ።

ኮይኑ ግና ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ተስፋ ሰላም ዝድግፍ፡ ቀንዲ በዓል ዋና እቲ ስምምዕ ሰላም ንዝኾነ ህወሓት ህልዉንኡ ንምጥፋእ ዘሕለፎ ዉሳነ ብሕግን ብፖለቲካን ቅቡል ኣይኮነን ኢሉ እቲ መግለፂ።

ምኽንያቱ ድማ እቲ ውሳነ ነቲ ስምምዕ ሰላም በዓል ዋና ኣልቦ ዝገብር፣ ኣፍልጦ ናይቶም ብስም ህወሓት ኣብቲ ንኹሉ ዝሓቁፍ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝሳተፉ ዘለዉ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኣፍልጦ ብምኽልካል ንህላወ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ኢሉ እዉን ብሓፈሻ ንኹሉ ስምምዕ ሰላም ዝፈታተንን እዩ ክብል ሓቢሩ።

ስለዚ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ነቲ ሕጊ ብኣወንታዊ መንገዲ ስርዓት ትርጉም ብምርዳእ ነቲ ኣብ ሃገርና ዝተጀመረ ተስፋ ዘለዎ መንገዲ ሰላም ዝድግፍ፤ ቴክኒካዊ ብዝኾነ ኣረዳድኣ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ርክብ ከዕንቅፍ ከምዘይብሉ ብምሕባር እዚ ኣገባብ እዚ ነቶም ከም ህወሓት ዝኣመሰሉ ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ክምለሱ ዝዳለዉ ሓይልታት ተስፋ ዘቑርፅ ተግባር እዩ ክብል ሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቲ ብብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ንህላወ ሓቛፊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ብሓፈሻ ድማ ንከይዲ መስርሕ ሰላም ዘዕንቅፍን ተግባር ብምዃኑ እቲ ቦርድ ውሳኒኡ ዳግም መርሚሩ ክመሓየሽ ንጽውዕ ክብል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።