Home ዜና መግለፂ ጥምረት ማሕበራት ተጋሩ ዲያስፖራ (ATAD)

መግለፂ ጥምረት ማሕበራት ተጋሩ ዲያስፖራ (ATAD)

514

ጥምረት ማሕበራት ተጋሩ ዲያስፖራ ሚንስትር ትምህርቲ ፌደራላዊት ኢትዮጵያ ጉግይ ምደባ ኣብያተ ትምሕርቲ ኣመልኪቱ ንዘውፀኦ ሓበሬታ ኮኒኑ። ሚንስትር ትምህርቲ ፌደራላዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዌብ ሳይት ገፁ ናይ ኣብያተ ትምህርታት ዝርዝር ዝርክብሉ ክልላት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ እቶም ብመሰረት ኣካልላ ፌዴሪኢ ሕገ-መንግስቲ ኣካል ትግራይ ዝኾኑ ከባቢታት ምዕራብ፣ ደቡብን ሰሜናዊ ምዕራብን ትግራይ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ክልል ኣምሓራ ኣጠቓሊሉ ከምዘውፅኦ ተዓዚብና ኣለና። እዚ ተግባር እዚ ዘይሕገ-መንግስታዊን ንሕገ-መንግስቲ ዝፃረርን ብልፍንታዊ ሓይልታት ንዝተወረረ መሬት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ኣጠቓሊልካ ምውፃእ ንዘይሕጋውያን ሓይልታት ሕጋዊ ጉልባብ ናይ ምሃብ ከይዲ ብምዃኑ ኣጥቢቕና ንኹንን።

ኣብ ሞንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተወከልቲ መንግስቲ ትግራይ ዝተፈረመ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ከይዲ ምፍፃም ዘሎ ኾይኑ ካብቶም እስካብ ሎሚ ክፍፀሙ ዘይከኣሉን ዓንቀፍቀፍ በዚሕዎ ዘሎ ምኽንያት ኣብ መሬት ትግራይ ዘለዉ ወረርቲ ለቒቖም ንኽወፁን ከካብ ቦቱኡ ተመዛቢሎም ዘለዉ ወገናት ናብ ቦቶኦም ምምላስ ዝብል ወሳኒ ጉዳይ ዚያዳ ክተሓላለኽ ዝገብር ጉዳይ ኢዩ። ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ነገር ፃሕታሪን ፀረ ሕገ መንግስታዊን ኣካይዳ ኣብ ትሕቲኡ ብዘሎ ሚንስትር ትምህርቲ እናተፈፀመ ርእዩ ከምዘይረኣየ ምሕላፍ ነቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዋጋ ዘይምሃብን ናይ ምትዕንቓፍ ስጉምቲ ምዃኑ ኢና ንኣምን።

ንዘሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተፈልዮም ዝፀንሑ ተመዛበልቲ ዕሸላት ምስቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተመዛቢሎም ናይ ዘለዉ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተመዛበልቲ ወገናት ኣባላት ኮይኖም፤ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክውዕሉ እናተገቦኦም ብኲናት ምኽንያት ንኽልተ ዓመታት ዘብኮሩዎ ትምህርቲ ንኢሱ ድሕሪ ውዕል ሰላምውን ብተመሳሳሊ ናብ ቦቶኦም ተመሊሶም ትምህርቲ ንኽጅምሩ ክንዲ ፃዕሪ ምግባር ኣብያተ ትምህርቶም ብወረርቲ ምትሓዞም ከይኣክል ናብ ጎረቤት ክልል ምምዳቡ ዘስደምም ጉዳይ ኢዩ።

ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይውን ኣብዚ ጉዳይዚ ትርር ዝበለ ቅዋም ሒዙ ዘየማትእ ውሳነ ክውስንን እዚ ዘይፍትሓውን ኢ-ሕገ መንግስታዊን ኣካይዳ ብህፁፅ ጠጠው ንኸብሎ እናዳሓበርና፤ ምስቲ ጉዳይዚ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝምልከቶም ኣሸማገልቲን ተሸማገልቲ ኣካላት፤ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ብፍላይ ጠመተ ሂቦም እቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ክለዓልን መአረምታ ክወሃበሉን ንሓትት።

ብተወሳኺ ከም ዓለም-ለኸ ጥምረት ማሕበራት ትግራይ ኣብ ዲያስፖራ እዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ብቕልጡፍ ንክውሰድ ንላቦ:- ፩. ካብ መሬት ትግራይ ዘይወፁ ወረርቲ ሓይልታት ብህፁፅ ክወፁን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን። ፪.ልፍንታዊ ሓይልታት ኣብ ዝወረርዎ መሬትና ነቲ ነባር ነባራይ ኣመዛቢሎም ቤቶምን ንብረቶምን ብምዝራፍ ካብ ክልል ኣምሓራ ሰፈርቲ እናምፅኡ ዘስፍርዎ ዘለዉ ሰፈራ ብህፁፅ ጠጠው ክብል ንፅውዕ። ፫.መንግስቲ ፌዴራል ምስ ህወሓት ናይ ዕጥቂ ምፍታሕ ስራሕ እናተሳለጠ ብኻሊእ ወገን ኣምሓሩ እዚ ንኽገብሩ ጠጠው ኢሉ ዝሪኦ ነገር ካብ ተሓታትነት ነፃ ክገብሮ ከምዘይኽእል ብትሪ ንገልፅ። ፬. ሰላምን ፍትሕን ዘይነፃፀላ ኣካላት ምዃነንን ፣ ንህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ከሊእኻ ዝርከብ ሰላም ከምዘየለን ህዝቢ ትግራይ ፍትሒን ሰላምን ብቕልጡፍ ክረክብ ንፅዉዕ። ፭.ብኲናት ዝተሃስየ ህዝብና ህፁጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽረክብ ብትሪ ንሓትት።ሰላም ብዘይፍትሒ የለን!ፈፃሚት ኮሚቴ ጥምረት ማሕበራት ትግራይ ኣብ ዲያስፖራ | Alliance of Tigray Associations in Diaspora (ATAD)