Home ዜና መፅሓፍ “መባእ ትግራይ” ተመሪቓ

መፅሓፍ “መባእ ትግራይ” ተመሪቓ

551

ካብ 5000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ 700 ዓ/ም ዝነበረ ታሪኽ ጥንተ ስልጣነ ተጋሩ እተዘንቱ፤ ብመምህር ኣሸናፊ ገብረስላሴ ዝተፃሕፈት መፅሓፍ ”መባእ ትግራይ” ሎሚ ዕለት 13 ሰነ 2015 ዓ/ም ብዕሊ ተመሪቓ።

እቲ መፅሓፍ እቲ ሐዚ ዘሎ ወለዶ ጥንታዊ ታሪኽን ኣመፃፅኣን ትግራይ ክንፈልጥ ዝገብርን ሃይማኖትን ሳይንስን ፈላልዩ ዘርኣየ ታሪኻዊ ሓቅታት ዘንፀባረቐ ምዃኑ ድማ ነታ መፅሓፍ ዝመረቑ ሙሁር ታሪኽ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ሓቢሮም።

ደራሲ እቲ መፅሓፍ መምህር ኣሸናፊ ገብረስላሴ ብወገኑ ነቲ መፅሓፍ ክፅሕፍ ዘበገሶ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ታሪኹ ጉሒልናዮ ኢና ኣብ ዝበልሉ እዋን ከም ህዝቢ ከፅንቱና ተራእዮም ሐዚ ታሪኽ ትግራይ ኣብ ምስናድን ዕላማ ፀላእትና ንምስዓርን ዝዓለመ መፅሓፍ ፅሒፈ ኣለኹ ኢሉ።

መፅሓፍ ”መባእ ትግራይ” ሓሙሽተ ክፍልታት ዝሓዘ ኮይኑ ታሪኽ ጥንተ-ሥልጣነ ተጋሩ፣ታሪኽ ንግስቲ ማክዳ፣ደዓማታዊ ሃገረ-መንግስቲ፣ ኣክሱማዊ ሃገረ-መንግስቲ፣ ታሪኽናን ብርዒ ሽርሓውያንን ዝብሉን ካልኦት ርእሰታት ዘካተተ በዓል 298 ገፃት መፅሓፍ ኢያ።

#ኣበባ ፅጋቡ