Home ዜና መፅሓፍ ሚስጢረ ኣእባን

መፅሓፍ ሚስጢረ ኣእባን

683

ብቛንቋታት ትግርኛ፣ ግእዝን ኢንግዝኛን ዝተፅሓፈት ሚስጢረ ኣእባን ዘርእስታ መፅሓፍ ተመሪቓ ንንባብ በቒዓ፡፡

ብሊቀ ሊቃውንት ንጉሰ ተኽላይ ዝተፅሓፈት ኣብ ክቡራት ኣእማን ዘሎ ምስጢር እትገልፅ ሚስጢረ ኣእባን ዘርእስታ መፅሓፍ ብቛንቋታት ትግርኛ፣ ግእዝን ኢንግዝኛን ተፃሒፋ ብ23 ሓምለ 2015 ዓ.ም ተመሪቓ ንንባብ በቒዓ ኣላ፡፡

ሚስጥረ ኣእባን ዝብል ቃል ግእዝ፣ ሚስጥር ኣእማን ዝብል ፍታሕ ቋንቋ ትግርኛ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ሓውልታት ኣክሱምን ካልኦት ውቑራት ኣብያተ ክርስትያናት ዝተሰነዱ ታሪኻት፣ ኣብ ኣኻውሕ ዝተኸተቡ ፅሑፋት፣ ንገፀ በረከት ዝውዓሉ ክቡራት ኣእማን ብምምልካት፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ እምኒ ንዝተፈላላዩ ግልጋሎት ይጥቀመሉ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ ሊቀ
ሊቃውንት ንጉሰ ተኽላይ ኣብ እምኒ ዘሎ ምስጠር ብዝግባእ ተፈሊጡ ሕብረተሰብ ዝጥቀመሉ ባይታ ምምችቻው ኣገዳሲ ምዃኑ ይዛረቡ፡፡

ብዘበን እኒእኒ ሕምባሻ ከሎ እምኒ ዝበሉ ኣቦታት ኣብ እምኒ ብዙሕ ረብሓ ከምዝሎ ስለዝተገንዘቡ እዮም ዝበሉ ሃያሲ እታ መፅሓፍ ምሁር ነገረ መለኮት
መምህር ፍሻለ ሓድሽ ብግዲኦም እምኒ ዓረ ብምርሳን ዝተፈላለዩ ሕማማት ንምፍዋስውን ይውዕል ምንባሩ ይጠቅሱ፡፡

ኣሻሓት ዓመታት ዘቁፀሩ ብቋንቋ ግእዝ ዝተፃሕፉ መፃሕፍቲ ከምዝለዉን እዞም መፃሓፍቲ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ናብ ደገ ወፅዮም ኣብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዝርከቡ ዩኒቨርስታት ይመራመርሎም እዮም ዝበሉ ተወካሊ ብዓል መዚ ክትትልን ቁፅፅርን መግብን መድሓኒትን ኣይተ ባህረ ተካ ብወገኖም ትካሎም ኣብ ባህላዊ ሕክምና ንዝነጥፈ ወገናት እናሓገዘ ከምዝመፀን ብምግላፅ ብቋንቋን ግእዝ ዝተፃሕፈ ንምርምርን ሕክምናን ሓገዝቲ ዝኾኑ ፅሑፋት ብትግርኛ ብምትርጓም ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ዝኾነሉ ዕድል ምፍጣር ዝንኣድ ተበግሶ ምዃኑ ገሊፆም።

ሙሉጌታ ገ/ጊዮርጊስ