Home ዜና መፍረያይነት ዞባ ማእኸል

መፍረያይነት ዞባ ማእኸል

538

ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ሎሚ ዘበን ልዕሊ 197 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዘራእቲ ንምሽፋን ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ይግበር ከምዘሎን ዛጊድ እውን ኣስታት 44 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዘራእቲ ከምዝተሸፈነ ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣፍሊጡ፡፡

ላዕለዋይ ክኢላ ስነ-ዘራእትን ልሙዕነትን ሓመድን ኣይተ ሃይለሚካኤል ሓዱሽ ከምዝበልዎ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2015/16 ኣብቲ ዞባ ዝሓሸ እቶት ንምርኻብን ሓረስታይና ካብ ተፀባይነት ክላቐቕ ንምግባርን ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ኣብ 20 ወረዳታት እቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ 200 ጣብያታት ዝተዋደደ ስራሕቲ ሕርሻ ይካየድ ኣሎ ኢሎም፡፡

ሓረስታይ እቲ ዞባ ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝበፅሖ ዕንወት ቁጠብኡ ተሃስዩ ናውቲ ሕርሽኡ ዓንዩ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ፀገም ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ክኢላ ነዚ ንምሕጋዝ ብትራክተር ዝተሓገዘ ደገፍ ማሕረስ ኣብ ወረዳታት ታሕታይ ማይጨው ፤ዓድዋን ላዕላይ ማይጨውን ይካየድ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም፡፡

ሎሚ ዘበን ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 257 ሽሕ ኩንታል ዘበናዊ ድኹዕን ልዕሊ 7 ሽሕን 600 ኩንታል ምሩፅ ዘርእን ከምዘድሊ ዝሓበሩ ኣይተ ሃይለሚካኤል ዛጊድ ልዕሊ 6 ሽሕን 500 ኩንታል ዘበናዊ ድኹዕን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርእን ጥራሕ ኣብ ኢድ ሓረስታይ ከምዝበፅሐ ኣረዲኦም።

#ፍሰሃ መዝገበ