Home ዜና ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ፈዴራል ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ዝፍፅሞ ዘሎ ገበን ብቕልጡፍ...

ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ፈዴራል ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ዝፍፅሞ ዘሎ ገበን ብቕልጡፍ ክእረም ንፅውዕ!ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ወረዳታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ብምክላል ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተፈፀመ ገበን ብዘጠናኽር መልክዑ ሕገ-መንግስታዊ ጥሕሰት ፈፂሙ ኣሎ።

550

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ፈዴራል ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ዝፍፅሞ ዘሎ ገበን ብቕልጡፍ ክእረም ንፅውዕ!ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ወረዳታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ብምክላል ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተፈፀመ ገበን ብዘጠናኽር መልክዑ ሕገ-መንግስታዊ ጥሕሰት ፈፂሙ ኣሎ።

እዚ ቤት ዕዮ ዝወሰዶ ሓላፍነት ዝጎደሎ ስጉምቲ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ዝህውኽን ብዝኾነ መለክዒ ተቐባልነት ዘይብሉን ተግባሩ ብቕልጡፍ ክእርሞን ንህዝቢ ትግራይ እውን ብዕሊ ይቕሬታ ክሓትትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንፅውዕ።

መንግስቲ ፌዴራል እውን ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ጉቡእ ስጉምቲ ክወስድን እቲ ኮነ ተባሂሉ ብሚንስትሪታት ትምህርትን ሓለዋ ጥዕናን እናተፈፀመ ዝቕፅል ዘሎ ገበን ብህፁፅ ንክእርሞ ደጊምና ንፅውዕ!ሰላም ንሕውየትን ፍትሕን!!

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ11 ሓምለ 2015ዓ.ምመቐለ