Home ዜና ማሕለኻታት ምርግጋእ ዓለም

ማሕለኻታት ምርግጋእ ዓለም

604

ኣብ ትግራይን ዩክረይንን ብዝተኻየደን ብዝካየድን ዘሎ ከቢድ ኲናት ስዒቡ ፀጥታ ዓለም እናተዘረገ ናብ ሓዱሽ ዓለም ለኻዊ ወጥሪ የምርሕ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።ድሕሪ ምብቃዕ 2ይ ኲናት ዓለም ምምስራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስዒቡ ዝተኣተው ውዕላት፤ ብብርኪ ዓለም ፅቡቓት ምርድዳኣት ፈጢሮም እኳ እንተፀንሑ ኣብ ትግራይን ዩክረይን ንዘጋጠመ ኲናት ስዒቡ ዓለምና ናብ ምስሕሓብን ምትህልላኽን ተምርሕ ምህላዋ ገልፍ ኒውስ ኣመላኺቱ፡፡

በብከባቢኡ ዝለዓሉ ኲናትን ጎንፅታትን ጠንቂ ዘይምርግጋእ ዓለም ይኾኑ ምህላዎም መፅናዕታዊ ፀብፃብ ዘቕረበ ኣብ ሕቡራት ዓረብ መደበር ዝገበረ ጋዜጣ ገልፍ ኒውስ፤ ምርግጋዕን ቁጠባዊ ዕቤትን ዓለምና፤ ቅድሚ 10 ዓመታት ኣብ ሃገራት ዓረብ ንዝተኻየደ ዓመፅን ዕግርግን ስዒቡ ሓዱሽ ማኣዝን ሒዙ ምህላዉ እውን ኣመላኺቱ፡፡ኣብ ጉዳይ ኲናትን ጠንቂታቶምን ኣድሂቡ ዓለም ለኻዊ መፅናዕቲታት ዘካይድ ፕሮግራም ዩኒቨርስቲ ኣፕሳላ ከም ዘማላኽቶ ድማ፤ ዘይተኣደነ ስርዓታት ኣብ ሃገሮም ዝኽተልዎ ገደብ ዘይብሉ ስልጣንን ግዝኣታት ይግበኣኒን ዓለምና ናብ ከቢድ ንሕንሕን ዘይምርግጋእን ኣብፂሐምዋ ዘለዉ ጠንቂታት ምዃኖም ከም ዘረጋገፁ ኣመላኺቱ፡፡ላዕለዋይ ተማራማሪ ፀብፃብ ፕሮግራም ዩኒቨርስቲ ኣፕሳላ ማርሴለና ፕራይዲ ከም ዝገለፅዎ፤ ፀብፃቦም ሳይንሳዊን ካብ ጭቡጥ መረዳእታ ዝተኣከበ ኮይኑ፤ ሓቀኛ ትንተና ዝተውሃቦ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት፤ ኣብ ዓለምና ሕድሕድ ዓመት 25 ውግኣትን ግጭታትን እናተኻየደ ምምፅኡ ዝጠቐሱ እቶም ተመራማሪ፤ ሕድሕድ ውግእ ድማ ከቢድ መቕተልቲ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባትን ናውቲን ከበድቲ ዕንወታት ገዲፎም ዝሓለፉ ምዃኖም ኣረጋጊፅና ኢሎም፡፡ቀንዲ ተሓታቲ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዝካየድ ውግእ፤ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ኣካል እዩ፡፡ ምኽንያቱ ሃገር ክመርሕ ስልጣን ዝዓተረ ኣካል ድሌታት ህዝቡን ተናሓናሕቱን ኣብ ግምት ኣእትዩ ነታ ሃገር ናይ ምርግጋእ ሓላፍነት ዝወሰደ እንከሎ ክንሱ ፍልልያት ብዝሓዞ ስልጣን ክፈትሕ ስለ ዝጓየ ምዃኑ ዝገለፁ ተመራማሪ ማርሴለና ፕራይዲ፤ መራሕቲ ኵናት ዝካየደለን ሃገራት ብሸውሃት ስልጣን ዝሳቐዩ ብምዃኖም ዝተፈጠረ እዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ውሽጠን ኲናት ዝካየደለን ብርክት ዝበላ ዓዲታት፤ ጉዳየን ቀልጢፉ ዓለም ለኻዊ ትሕዝቶ ከምዝሕዝ ዘመላኸተ ፀብፃብ ዩኒቨርስቲ ኣፕሳላ፤ ኲናት ትግራይ ዘስዓቦ ዓለም ለኻዊ ተርእዮን ኢድ ኣእታውነትን ምርኣይ እኹል ምስክር ምዃኑ ጠቒሶም፡፡ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዝካየዱ ጎንፅታትን ከበድቲ ውግኣትን፤ ውጥረት ዓለም ኣብ ምጉህሃር ዝለዓለ ግደ ይፃወቱ ምህላዎም ዘመላኸተ ውፅኢት ፀብፃብ ዩኒቨርስቲ ኣፕሳላ፤ ናይዙይ ምኽንያት ድማ ዕልዋ መንግስቲ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ተናሓናሕቲ ውድባት ዝውሰድ ወታደራዊ ስጉምቲ ንኢድ ኣእታውነት ካልኦት ሃገራት ዝዕድም ስለ ዝኾነ እዩ ኢሉ፡፡ምኽንያት ጀኖሳይድ ርዋንዳ፤ ኣብቲ ዓዲ ጥራይ ተጀሚሩ ዝተወደአ ኣይነበረን፡፡ የግዳስ ዓለም ለኻዊያን ተሳተፍቲ ኢድ ኣእትየምሉ እዮም፡፡

ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ድማ ተሳትፎ ኤርትራ ብግልፂ ዝተርኣየሉ ምዃኑ ጠቒሱ፡፡ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝተኻየዱ ናይ ውሽጢ ሃገርን ዓለም ለኻዊን ውግኣት፤ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ብደረጃ ክብደትን ሞት ደቂ ሰባትን እቲ ዝለዓለ ኮይኑ ምህላዉ ዝጠቐሰ ገልፍ ኒውስ ብግዲኡ፤ ዓመተ ኣውሮፓውያን 2021ን 2022 እተን ዝለዓለ ሞት ዝተመዝገበለን ዓመታት ክብል ጠቒስወን፡፡ኣብ ክልቲኡ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናትን ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዘካየደቶ ወራርን እቶም ዝኸፍኡ ደኣ ይኹኑ እንበር ኣብ ዓለምና 55 ከበድቲ ውግኣት ከም ዝተኻየዱ ዝጠቐሰ ፀብፃብ ዩኒቨርስቲ ኣፕሳላ፤ ብደረጃ ወፃኢታት እውን ናብ 2.24 ትሪልዮን ዶላር በፂሑ ምህላዉ ኣመላኺቱ፡፡

#ብገ/ሄር ሃይሉ