Home ዜና ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ግደ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ

ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ግደ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ

189

ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ንምፍታሕ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ኣድላዪ ሓገዝ ክገብሩ ከምዝግባእ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ገሊፃ፡፡

እዚ ዝተገለፀ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ብሓገዝ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኬር አትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ 8 ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ዑደት ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን እዩ፡፡

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ብሓገዝ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኬር አትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ 8 ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ንዘሓለፉ 18 ኣዋርሕ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ብኣመራርሓ ወረዳታትን መድረግቲ አካላትን ዑደት ተሳሊጡ፡፡

ድሕሪ እቲ ዝገበረ ዑደት ኣብ ኣተሓሕዛን ኣጠቃቕማን እቶም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣድሂቡ ምስ ተጠቀምቲ ሕብረተሰብ፣ ኣመራርሓ ወረዳታትን መድረግቲ አካላትን ዝተዘተየ ኮይኑ እቲ ፕሮጀክት ንልዕሊ 32 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ተረብሕቲ ዝገበረ ከምዝኾነ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ዳይሬክተር ትልሚን ኣተሓባባሪን ኣይተ ዳዊት ወ/ሊባኖስ ገሊፆም፡፡

እቲ ዝተሳለጠ ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ደቂ ኣንእስትዮ ማእኸል ዝገበረን ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ፀገም ዘቃልልን ከምዝኾነ ዝተዛረቡ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ዝኾኑ ተጠቀምቲን ተወከልቲን ብወገኖም እቲ ሰናይ ተግባር ተጠናኽሩ ክቕል ይግባእ ኢሎም፡፡

ህዝቢ ትግራይ እተተሓግዙ ፅዒሩ ዓርሱ ዝኽእለሉ ባይታ ናይ ምፍጣር ልምዲ ከምዘለዎ ዝሓበሩ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ካልኣዩ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ህዝብና ዘሎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ብዝተወሰነ መልክዑ ንምፍታሕ ከባብያውን ዓለምለኻውን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ኣድላዪ ሓገዝ ክገብሩ ፀዊዖም፡፡

ኣብቲ ዘተ ተረኽቦም ኣብ ማይ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ፀገም መስተ ማይ ዝፈትሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ስእነት ማይ ተዛመዱ ኣብ ትካላት ጥዕናን ትምህርቲን ዘለው ፀገማት እውን ንምቅላል ዝሕግዝ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ማይን እነርርጂን ትግራይ ኣይተ ሞገስ ገ/እግዝኣብሄር እተን ዝተሃነፃ ግልጋሎት ዝህባ ትካላት ብጥንቃቐ ምሓዝ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣተሓሳስቦም፡፡

ብታደለ ዳኘው