Home ዜና ማሕበር ልምዓት ኢሮብ ካብ ዘካየዶ መድረኽ ምትእክኻብ  እቶት ልዕሊ ክልተ ሚልየን ብር...

ማሕበር ልምዓት ኢሮብ ካብ ዘካየዶ መድረኽ ምትእክኻብ  እቶት ልዕሊ ክልተ ሚልየን ብር ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

552

ማሕበር ልምዓት ኢሮብ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ንከቢድ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ተቓሊዖም ንዘለው ማሕበረሰብ  እቲ ወረዳ ንምሕጋዝ መድረኽ ምትእኽካብ እቶት ዘካየዱ እንትኾኑ ፣ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ብር ካብ ተወለድቲ እቲ ብሄረሰብን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን ከም ዝተኣከበ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እታ ማሕበር ኣይተ ግደይ መሓሪ ገሊፆም።

ተሳተፍቲ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኢሮብ ብወገኖም ኣብዚ ሐዚ እዋን ስለ ዝረኸብና እንተይኮናስ ህዝብና ብከቢድ ሕሰም ናብራ ይሳቐ ብምህላው ካብታ ዝርካብና ንዝተፀገሙ ወገናትና ንምሕጋዝ ዝገበርናዮ ተሳትፎ ሕጉሳት ኢና ኢሎም።

ኮይኑ ግና ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ እውን እውን እንተኾነ ብርክት ዝበሉ ጣብያታት ወረዳ ኢሮብ ኣብ ትሕቲ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ብምኳኑ ህዝብና ካብን ናብን ንምጉዓዝ ይፀገም ብምህላው ዝምልከቶም ኣካላት መፍትሒ ከናድይሉ ይግባእ ኢሎም።

ኣማሓዳሪ ወረዳ ኢሮብ ኣይተ እያሱ ምስግና ብወገኖም ፀገም ብሄረሰብ ኢሮብ መድረኽ ምትእኽካብ እቶት ብምስላጥ ጥራሕ ዝፍታሕ ብዘይ ምኳኑ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፣  መንግስቲ ፌደራል ኮነ ካልኦት መደራደርቲ ኣካላት ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዕሊ ከተግብሩ ፀዊዖም።

ኣብ ውዕጢ ዓድን ወፃእን ዝነብሩ ተጋሩን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን ድማ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ክዓሙ ከም ዝግባእ ገሊፆም።

ኣብቲ መደረኽ ምትእክኻብ እቶት ንፕረዚዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ካልኦት ለዕለዎት ኣመራርሓን ተወለድቲ እቲ ብሄረሰብን ተረኺቦም።

ብመርሃዊ ተስፋይ