Home ዜና ማሕበር ልምዓት እገላ አብ አዲስ አበባን ስዑዲ ዓረብን ምስ ዝርከቡ ተወለድቲ እገላ...

ማሕበር ልምዓት እገላ አብ አዲስ አበባን ስዑዲ ዓረብን ምስ ዝርከቡ ተወለድቲ እገላ ብምትሕብባር ልዕሊ 6 ሚልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ገይራ  

425

ተመሃሪት 7ይ ክፍሊ ንያት ይርጋለም  ብሰንኪ ኮረናን ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይን ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ካብ መአዲ ትምህርቲ  ተፈልያ ብምፅናሕ ብዝተረኸበ ተስፋ ሰላም ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሳ እቲ ቤት ትህርምህታን መምሃሪ ክፍላን ዓንዩን ተጓሒሉን አብ እምኒ ከፊላ ክትመሃር ተገዲዳ።

ሰብአውነትን ወገናውነትን ዝስመዖም ተወለድቲ እገላ ብዝገበርዎ ሓልዮት ግን ተስፋ ተመሃሪት ንያት ለምሊሙ ካብ ከፍ መበሊ እምኒ ናብ ወንበር ተሰጋጊራ አላ።

ማሕበር ልምዓት እገላ አብ መንግስቲ ዘይበፅሖም ማሕበራዊን ኢኮኖምያዊን ፀገማት ብምፅናዕ አብ ሩፍታ ተመሃሪት ንያትን መላእ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ትሰርሕ አላ።

ናይዚ መርአያ ብሰንኪ ኩናት ዝዓነዋ አብያተ ትምህርትን ሕፅረት ናውትን እንዳፈለየት አብ አዲስ አበባ ምስ ዘለው ተወለድቲ እቲ ከባቢ ብምርድዳእ ን10 ሽሕ ተመሃሮ ናውቲ ሓገዝ ከምዝገበረት አቦ ወንበር እታ ማሕበር ዶክተር ዳዊት ወልደ ብርሃን ገሊፆም።

ማሕበር ልምዓት እገላ አብ ስዑዲ ምስ ዝርከቡ ተወላድቲ እቲ ከባቢ ብምትሕብባር 1500 ወናብር ከምዝሓገዙን ዛጊድ ሕፅረት ናውቲ ወረዳ እገላ ንምቅላል ልዕሊ 6ሚልዮን ብር ወፃኢ ብምግባር ሓገዝ ከምዝተገበረ ዶክተር ዳዊት ወሲኾም ሓቢሮም።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ እገላ አይተ መዝገቦ ገብረአናንያ፤ ማሕበር ልምዓት  እገላ ምስ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ብምትሕብባር ትገብሮ ዘላ ሓገዝ አብ ሕውየት ኩሉ መዳይ ሃሰያ ተመሃሮን ወለድን ዝለዓለ አብርክቶ ብምህላው ፣ዝምሰገን ተግባር ኮይኑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ተላብዮም።

አብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ  ገርሁ ስርናይ ምክትል ርእሰ መምህር ,መር  ተስፋማርያም ሰንጀቅ እታ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ኩናት ዝተማልአ ናውትን ብልፅትን እዃ እንተነበረት ዝነበራ ናውቲ ዓንዩን ተጓሒሉን ትምህርቲ ንምጅማር አፀጋሚ አብ ዝኮነሉ ማሕበር  ልምዓት እገላ ስለ ዝበፅሓትልና ክትምስገን ይግባእ ኢሎም።

ዘዛራብናዮም መምህራን፣ ተመሃሮን  ወለዲ ተመሃሮን ብወገኖም ማሕበር ልምዓት እገላን ተወለድቲ እቲ ከባብን ዝገብርዎ ዘለው ሓገዝ ተመሃሮ ናብ መአዲ ትምህርቲ ተመሊሶም ክመሃሩ ዘተባብዕ ቅዱስ ተግባር ከምዝኾነ ተዛሪቦም

ጎይትኦም ተኸስተ