Home ዜና ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ብልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር...

ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ብልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ፅገናን ቀረብ ናውቲ ትምህርትን ጌሩ

734

ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝርከብ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን ብሓይልታት ፅንተት ዕንወት ከምዝተፈፀሞ ዝገለፁ ዳይረክተር እቲ ቤት ትምህርቲ መምህር ደስታ ካሕሳይ እዚ ድማ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዕንቅፋት ኰይንዎ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ነዚ ፀገም ንምቅላል ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ብልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ፅገናን ቀረብ ናውቲ ትምህርትን ከም ዝተገበረሉ ኣባል እቲ ማሕበር ዮርዳኖስ ግርማይ ሓቢረን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተምሃሮ ኣብ እምኒ ከፍ ኢሎም ፣ ንንፋስን ቍርን ተቓሊዖም ክመሃሩ ፀኒሖም እዮም ዝበሉ መምህር ደስታ ፤ ብፍላይ በዝሒ ሓገዝ እቲ መቐመጢ ወንበር ተምሃሮ 200 ብምኻኑ ኣብ ክልተ ፈረቓ ንዝመሃሩ ልዕሊ 1 ሽሕን 200 ተምሃሮ መፍትሒ ክኸዉን እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ብርክት ዝበሉ ተፈናቐልቲ ዞባታት ምዕራብ ፣ ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ኣለዉ እዚ ድማ ንትምህርቲ ኣፀጋሚ ከምዝኾነን ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ናብ መረበቶም ክምለሱ ክግበርን መምህር ደስታ ሓቲቶም።

#ኤፍሬም_ረደሀይ