Home ዜና ማሕበር ተራድኦ ኬብሮን” ፕሮጀክት ሓደ ጥማር ንሓደ ህፃን” ብዘበል መሪሕ ቃል ኣብ...

ማሕበር ተራድኦ ኬብሮን” ፕሮጀክት ሓደ ጥማር ንሓደ ህፃን” ብዘበል መሪሕ ቃል ኣብ ዞባ ድቡብ ትግራይ ንዝርከባ ሰለስተ ወረዳታት ልዕሊ 500 ሽሕ ዝዋገኦም ናውቲ ትምህርት ኣበርኪታ።

528

ማሕበር ተራድኦ ኬብሮን” ፕሮጀክት ሓደ ጥማር ንሓደ ህፃን” ብዘበል መሪሕ ቃል ኣብ ዞባ ድቡብ ትግራይ ንዝርከባ ሰለስተ ወረዳታት ልዕሊ 500 ሽሕ ዝዋገኦም ናውቲ ትምህርት ኣበርኪታ።

ኣፍተ ሓገዝ ተረክቦም መደረ ዘስምዑ ጠማቲ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ኣይተ ሳምሶም ተፈሪ ብውገኖም ማሕበር ተራድኦ ኬብሮን ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳታት ቦራ፤ እንዳ መኾንን እምባ ኣላጀን ንዝርከቡ 2600 ተምሃሮ ዝዉዕል ሓገዝ ናውቲ ትምህርት (ደፍተር፣ እርሳስ፣ እስክርቢቶ፣ መደምሰስ፣ መፅረብን እርሳስን ዝገበሮ ኣበርክቶ ድሕሪ ምምስጋን ካልኦት ወገናት እውን ኣሰር እታ ማሕበር ብምስዓብ ህፃናት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምምላስ ክሕግዙ ፃዉዒት ኣቅሪቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ እምባ ኣላጀ መ/ር መሪ ከበደ ብወገኖም ከም ወረዳ 27 ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዘለወኦምን ኣብዝኤን ዝምሃሩን ተምሃሮ ድማ 10,473 ኣብ ከይዲ ምምሃር ከምዝርከቡ ይገልፁ።

ካብዚኣቶም እቶም 1200 ተምሃሮ ካብ ማሕበር ተራድኦ ኬብሮን ነብስወከፎም 6ተ ደፍተርን ሓደ ሓደ እስክርብቶ፣ እርሳስ፣ መደምሰስን፣ መፅረብን እርሳስን ሓገዝ ከምዝተበርከተሎምን ንመኣዲ ትምህርቲ እታ ወረዳ ዓብዩ ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ሰናይ ግብሪ ምዃኑ ሓቢሮም።ይኹን እምበር እቲ ዘሎ ሕፅረት ሰፊሕ ብምዃኑ ካልኦት መንግስታዊን ዘይመንግታውን ትካላት ኣሰሮም ተኸትሎም ሓገዝ ክገብርሎም ፀዊዖም።

መተሓባበር ማሕበር ተራድኦ ኬብሮን መንእሰይ ሮቤል ሓድሽ ብወገኑ እዚ ከምዝበለ ሓገዝ ኣብ 6ተ ዞባታት ሓገዝ እናገበሩ ከምዝፀንሑ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከባ 3ተ ወረዳታት ማለት ወረዳ እንዳ መኾኒ ወረዳ ቦራ ን ወረዳ እንባ ኣላጀ ን2600 ተምሃሮ ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውት ተጋሩ ብዝሃብዎ ልግሲ ምዃኑን ማሕበሮም ብቀፃልነት ሓገዛ ከምእተጠናኽርን ኣረዲኡ።

ማሕበር ተራድኦ ኬብሮን ኣብ ምቅናስ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ዝነጥፍን ገባሪ ሰናይ ትካል ኮይኑ ሓደ ጥማር ንሓደ ህፃን ብዝብል መርሃ ግብሩ ዘተኣኻኸቦ ሓገዝ ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ትግራይ ንዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ እናሓገዘ ይርከብ።

ፍልፍል: #ወይን