Home ዜና ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) መበል 49 ዓመት ዋዕላኣ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ...

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) መበል 49 ዓመት ዋዕላኣ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ተሳልጥ ኣላ።

527

ፌስቲቫል ዳግመ ሕውየት ትግራይ

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) መበል 49 ዓመት ዋዕላኣ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ተሳልጥ ኣላ።ኣብቲ ዋዕላ ድማ ኣባላት እቲ ማሕበር፣ ብድምፅን ብተዓዛብነትን ዝተሳተፉ ወገናትን ካልኦት ዑዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ እቲ ዋዕላ ዝሳለጥ ዘሎ።ኣካል እቲ ኣብ ዴንቨር ኮሎራዶ ዝሳለጥ ዘሎ ፌስቲቫል ትግራይ 2023 ድማ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት እናተሳለጡ እንትኾኑ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ጋንታታት ሰሜን ኣሜሪካ ዝግበር ዘሎ ግጥም ኩዑሶ እግሪ ድምቀት እቲ ፌስቲቫል ኮይኑ ይርከብ።

እቲ ፌስቲቫል ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብዝብል መራሕ ሓሳብ ዝሳለጥ ዘሎ ፌስቲቫል ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ 2023 ብዝተፈላለዩ ምድላው ክሳብ 23 ሓምለ ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ክቕፅል ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ዋዕላ ድማ ብሰንኪ ጀኖሳይዳውያን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ናብ ተሓታትነት ክሰጋገር፣ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀሞ ጀኖሳይድ ፍትሒ ክረክብን እናካየዶ ዝፀንሐ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ንክቕፅልን ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ እቲ ዳያስፖራ ክህልዎ ዝግባእ ተሳትፎ ከም ዝዝተየሉ ተገሊፁ።

#ተኽለወይኒ_ኪዳነ_ኣረጋዊ