Home ዜና ማሕበር ኣክስዮን ሆርን ታይገርስ ሎጂስቲክስን ትራንዚትን

ማሕበር ኣክስዮን ሆርን ታይገርስ ሎጂስቲክስን ትራንዚትን

627

ማሕበር ኣክስዮን ሆርን ታይገርስ ሎጂስቲክስን ትራንዚትን ሓምለ 8 /2015 ዓ.ም ዕላዊ ምጅማር መሸጣ ኣክስዮን ዘበስር ስነ-ስርዓት ኣብ ከተማ መቐለ ከሳልጥ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ንዘሎ ከቢድ ፀገም መጓዓዝያ ህዝብን ፅዕነትን ብምግምጋም ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ግቡእ እጃም ንምብርካት ዓሊሙ ብዲያስፖራ ተጋሩን ነበርቲ ውሽጢ ዓድን ብዝኾኑ ግዱሳት ተጋሩ ዝጣየሽ ዘሎ ማሕበር ኣክስዮን ሆርን ታይገርስ ሎጂስቲክስን ትራንዚትን (Horn Tigers Logistics and Transit S.C.) ካብ ሓምለ 8 /2015 ዓ.ም ኣብ ሆቴል ኖርዘርን ስታር መቐለ ዕላዊ ምጅማር መሸጣ ኣክስዮን ዘበስርር ስነ-ስርዓት ከሳልጥ እዩ።

እዚ ማሕበር ቀንዲ ዝዋፈረሎም ዘፈራት አብ ዘመናዊ መጓዓዓዝያ ህዝቢ፣ፅዕነት መጓዓዝያ፣ ናይ ፈሳሲ መጓዓዝያን ተዛመድቲ ስራሕቲ፣ አብ ጎቦታት/አኽራናት ንቱሪዝም ዝኸውን ናይ ኬብል ሰርቪስ ሲስተም ንምትእትታው ዓሊሙ ዝተጣየሽ ማሕበር ምዃኑ ተሓቢሩ ።