Home ዜና ማሕበር ኣክስዮን ባንኪ ግእዝ ኣብ ቀደማይ ዙር ን500 መሰረቲ ኣባላት ወረቐት ምሰክርነት...

ማሕበር ኣክስዮን ባንኪ ግእዝ ኣብ ቀደማይ ዙር ን500 መሰረቲ ኣባላት ወረቐት ምሰክርነት ዓዲሉ።

431

እቲ ባንኪ ካብ 18 ሽሕ ሰብ ብፅሒት 2 ነጥቢ 2 ቢልዮን ብር ዝተኸፈለን ዝተፈረመን ካፒታል ከምዝወነነ አፍሊጡ።

ግዝያዊ መተሓባበሪ ማሕበር ኣክስዮን ባንኪ ግእዝ አይተ ኣብርሃ ሃይለማርያም እቶም ሕዚ ወረቐት ምስክርነት ዝዉሃቡ እቲ ባንኪ ዕላዊ ምዝገባ ምስ ጀመረ ቀዲሞም ክፍሊት ብፅሒቶም ንዝኸፈሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብ 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ምዝገባ ዝጀመረ እዚ ባንኪ ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተጠናኸረ ምዝገባ የሳልጥ ከምዘሎን እቲ ባንኪ ሒዝዎ ዝተበገሰ 500 ማልዮን መበገሲ ካፒታል ናብ 5 ቢልዮን ክዓቢ ብምትላም ሕዚ ካብ 18 ሽሕ ሰብ ዋና መሰረቲ አባላት ዛጊድ 2 ነጥቢ 2 ቢልዮን ብር ዝተኸፈለን ዝተፈረመን ካፒታል ከምዝወነነ አይተ አብርሃ ወሲኾም ሓቢሮም።

ዳይሬክተር ፕሮጀክት ማሕበር ኣክስዮን ባንኪ ግእዝ ኣይተ ኣባይ መሓሪ ዝዓነየት ትግራይ ንምህናፅ፣ ኣብ ምብራኽ ቁጠባ፣ ምፍጣር ዕድል ስራሕን ኣብ ምውጋድ ድክነት ልዑል ብፅሒት ዘለዎ ባንኪ ግእዝ ሰብ ብፅሓሒትን ሰብ ዋና ብምዃንኩም እንዃዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ባንኪ ግእዝ ክሳዕ ሙሉእ ምስረትኡ ዝገሃድ መላእ ማሕበረሰብ ትግራይ፣ ሰብ ሃፍትን ነጋዶን ክነጥፉ ኣይተ ኣባይ ፀዊዖም።

ጎይትኦም ተኸስተ