Home ዜና ማእኸል መሰልጠኒ ሞያዊ ሰጋር ንልዕሊ ሳላሳ መዓልቲ ነፃ ሞያዊ ስልጠና ከሰልጥነን ዝፀንሐ...

ማእኸል መሰልጠኒ ሞያዊ ሰጋር ንልዕሊ ሳላሳ መዓልቲ ነፃ ሞያዊ ስልጠና ከሰልጥነን ዝፀንሐ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪቁ ፡፡

568

ንልዐሊ ሓደ ወርሒ ንልዕሊ ሳላሳ ደቂ ኣንስትዮ ከባቢያዊ ፀጋታት ብምጥቃም ኣብ ምፍራይን ምግብን መናፅህን ተንከፍ ስልጠና ክህብ ዝፀንሐ ማእኸል መሰልጠኒ ሰጋር ኣመሪቁ፡፡ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርቃ ዝተረኸቡ ሙሁር ታሪክ መምህር ሙሉ ወርቅ ኪዳነ ማርያም ኣብ ዝሓለፉ ዝነበሩ ዘለውን መሰረታዊ ፀገማት ብምቅራፍ ንቀፃሊ ከባቢያዊ ሃፍቲ ናብ ጥቅሚ ብምውዓል መፍረይትን ተጠቀምትን ክንከውን ይግባእ ኢሎም፡፡ዋና መሳራቲ ማእኸል መሰልጠኒ ሞያ ሰጋር ኣይተ ኪዳነ ማርያም ገብረጫርቆስ ኣዶ ዓንዲ ሑቀ ብምኻና ንደቂ ኣንስትዮ ነፃ ሞያዊ ስልጠና ክህብ ከም ዝፀነሐን ብምግላፅ ብቀሊሉ ክርከቡ ዝኽእሉ ፀጋታት ብምጥቃም መፍራያይነትን ተጠቀማይነትን ንምስፍሕፋሕ ብዘላቅነት ኣብ መናእሰይ ካልኦትን ስልጠና ከም ዝወሃብ ገሊፆም፡፡

ስልጠና ወሲደን ካብ ዝተመረቃ ደቂ ኣንስተዮ ወይዘሮ ኣረጋዊት ገብረማርያምን ወይዘሮ ሰላም ኣፅብሃን ማእኸል መሰልጠኒ ሞያ ሰጋር ንዝሃበን ነፃ ስልጠና ሞያ ብምምስጋን ኣብ ቀረበአን ኣብ ዝርከብ ፀጋታት ተጠቂመን ድማ ንሕብረተሰብ ብምቅራብ ቀረብ ምርግጋእ ዕዳጋን ኣበርክቶ ከም ዝገብራ ተዛሪበን ፡፡ኣዶ ወንበር ማሕበር ደቂ ኣንስተዮ ከተማ መቀለ ወይዘሮ ርግበ ኣብርሃ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ኣብ ምልዕዓልን ምትብባዕን ደቂ ኣንስትዮ ክሰርሑ ይግባእ ድሕሪ ምባለን ሞያዊ ስልጠና ዝወሰዳ ደቂ ኣንስተዮ ኣብ ምትእስሳር ዕዳጋ ማሕበር ደቂ ኣንስተዮ ከም እትሰርሕ ኣረዲአን፡፡

#ብኣስቴርገብረስሉስ