Home ዜና “ማዕረ ማዕረ እንስሳት ኣብ ግድብ ክንሰትይ ተገድድና፡፡” – ነበርቲ ጣብያ ማቻረ

“ማዕረ ማዕረ እንስሳት ኣብ ግድብ ክንሰትይ ተገድድና፡፡” – ነበርቲ ጣብያ ማቻረ

398

ፀገም ቀረብ መስተ ማይ ጣብያ ማቻረ

ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ማቻረ ንዓመታት ዝፀንሐ ዘይተፈትሐ ፀገም መስተ ማይ ሓደጋ ህልውና ኮይንዎም ከምዘሎ ነበርቲ እታ ጣብያ መረረቶምገሊፆም፡፡

ብተደጋጋሚ ካብ ወረዳ ክሳብ ክልል ጥርዓኖም ኣቕርቦም ፍታሕ ከምዘይረኸቡ  ዝሓበሩ እቶም  ነበርቲ ማዕረ ማዕረ እንስሳት ማይ ግድብ ክሰትዩ ከምዝተገደዱን በዚ ድማ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃልዑ ከምዘለዉን መንግስቲ ፍሉይ ጠመተ ክገብረሎም ፃውዕቲ ኣቕርቦም፡፡

ኣማሓዳር ጣብያ ማቻረ ኣይተ ሻይነ ኣርአያ ኣብታ ጣብያ ልዕሊ13 ሽሕ ነበርቲ ከምዘለዉን ቅድም ክብል ከምመፍትሒ ዝተቐመጠት ሓንቲ  ማይቡንቧ  ምስቲ ዘሎ በዝሒ ህዝቢ ዝተመጣጠነ ኣይኮነን በዚ ድማ ነባሪ እታጣብያ ንከቢድ ፃምእ ፅሩይ መስተ ማይ ተቓልዑ እዩ ኢሎም፡፡

ሓላፍ ቤት ፅሕፈት ከይዲ ስራሕ ፅሩይ መስተ ማይ  ወረዳ ራያ ዓዘቦ  ኣይተ ስራጅ  መሓመድ ጣብያ ማቻረ ሓውሱ 10 ጣብያታት እታ ወረዳ ከቢድ ፀገም ፅሩይ መስተ ማይ ከምዘሎ ብምብራህ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ቅድሚ ኲናት ስራሕቲ ተጀምሮም እኳ እንተነበሩ ዛጊድ ግና ናብ ተግባር ብዘይምእታዎም ስቓይ እቲ ህዝቢ ክጋደድ ክኢሉ እዩ ብወገን እቲ ወረዳ ዝፍታሕ ግን ኣይኮነን ኢሎም፡፡

ኣብታ ጣብያ ብዘሎ ከቢድ ፀገም ፅሩይ መስተ ማይ ድማ ነበርቲ እታ ጣብያ ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ይቃላዕ ምህላዎም ዝገለፁ  ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣይተ ዳንኤል መረሳ  ኣብ ወርሒ ሕዳር ጥራሕ ልዕሊ 700 ወገናት ብሕማም ከም ዝተቓልዑ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ብፍሉይ ድማ ኣብ ጣብያ ማቻረ ዘሎ ፀገም መስተ ማይ ኣመልኪትና ዝሓተትናዮም ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ፅሩይ መስተ ማይ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ትግራይ ኣይተ ታጠረ ሓዱሽ ቅድሚ ኲናት ብኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ ህንፀት ማይ ትግራይን Ethiopia s Climate Resilient Green Economy National Adaptation Plan. ዝበሃል ናይ ፈዴራል ትካልን ውዕሊ ኣሲሮም ህንፀት  ፕሮጀክት ጀሚሮም ኣብ ከይዲ እናሃለዉ ኲናት ስለዘጋጠመ እዩ ክጓተት ኪኢሉ ኢሎም።

ተቛሪፆም ዝነበሩ ፕሮጀክታት ናብ ስራሕ ክኣትዉ ብምግባር  ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ይስራሕ ከምዘሎ ኣይተ ታጠረ ሓቢሮም። 

ብገነት ካሕሳይ