ምልላይ ምሩፅ ዓሌት ቡን ትግራይ
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ፍሉይ ቦታ ወራባየ ብበዓል ሃፍቲ ኣማኑኤል ንርኣዮ ዝፈረየ ምሩፅ ዓሌት ቡን ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ምልላይ ተገይሩሉ።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/2-1.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/5-1.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/6-1024x768.jpg)
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምልላይ ተረኺቦም መብርሂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃ እቲ ዓሌት ቡን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለው ዓሌታት ቡን ብፅሬቱን መቐረቱን እቲ ዝሓሸ ከምዝኾነን ናብ ሓረስቶትን ተወሰኽቲ ሰብ ሃፍትን ንምስፋሕ ብትኹረት ከምዝስራሕ ኣረዲኦም።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/1-2-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/3-1-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/4-1.jpg)
ነቲ ቡን ዘልምዕ ዘሎ ብዓል ሃፍቲ ኣማኒኤል ንርኣዮ ብወገኑ ነቲ ፍርያት ኣብ ትግራይ ንምስፋሕ ንሓረስቶትን ሰብሃፍትን ተሞክርኡ ንምሃብ ቁሩብ ምዃኑን ብቐፃልነት ድማ ብፅሬትን በዝሕን ብምልማዕን ብምፍራይን ዝሓሸ ምህርቲ ንምርካብ ከም ዝስራሕ ገሊፁ።
#ኣሸናፊ ዳርጌ