Home ዜና ምልላይ ምሩፅ ዓሌት ቡን ትግራይ

ምልላይ ምሩፅ ዓሌት ቡን ትግራይ

685

ምልላይ ምሩፅ ዓሌት ቡን ትግራይ

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ፍሉይ ቦታ ወራባየ ብበዓል ሃፍቲ ኣማኑኤል ንርኣዮ ዝፈረየ ምሩፅ ዓሌት ቡን ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ምልላይ ተገይሩሉ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምልላይ ተረኺቦም መብርሂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃ እቲ ዓሌት ቡን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለው ዓሌታት ቡን ብፅሬቱን መቐረቱን እቲ ዝሓሸ ከምዝኾነን ናብ ሓረስቶትን ተወሰኽቲ ሰብ ሃፍትን ንምስፋሕ ብትኹረት ከምዝስራሕ ኣረዲኦም።

ነቲ ቡን ዘልምዕ ዘሎ ብዓል ሃፍቲ ኣማኒኤል ንርኣዮ ብወገኑ ነቲ ፍርያት ኣብ ትግራይ ንምስፋሕ ንሓረስቶትን ሰብሃፍትን ተሞክርኡ ንምሃብ ቁሩብ ምዃኑን ብቐፃልነት ድማ ብፅሬትን በዝሕን ብምልማዕን ብምፍራይን ዝሓሸ ምህርቲ ንምርካብ ከም ዝስራሕ ገሊፁ።

#ኣሸናፊ ዳርጌ