Home ዜና ምረቓ ሰልጠንቲ ተምሃሮ

ምረቓ ሰልጠንቲ ተምሃሮ

483

ማእኸል መሰልጠኒ ስነ-ፅባቐን ሜክኣፕ ትሪስ ብሞያ ስነ-ፅባቐ ዝሰልጠና ልዕሊ 200 ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ኣመሪቓ፡፡ ካብተን ክመሃራ ዝፀንሓ ዝተመረቓ ደቂ ኣንስትዮ እተን 16 ስድራ ገድሊ ተባሂለን ነፃ ዕድል ትምህርቲ ዝረኸባ እንትኾና በቲ ዝተምሃርኦ ሞያ ሰሪሐን ናብርአን ንምልዋጥ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ሓቢረን፡፡ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ዕዱማት ኣጋይሽ ተጋዳላይ ገብረ ገብረፃዲቕን ኣዶ መንበር ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዞባ መቐለ ወ/ሮ ርግበ ኣብርሃን ኣብ ትግራይ ብዙሓት ፀገማት ከምዘለው ብምሕባር ነዚ ፀገማት ንምፍታሕ ምብቃዕን ምድጋፍን ደቂ ኣንስትዮ ኣገዳሲ ብምዃኑ ብዕቱብ ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም፡፡ወናኒት ማእኸል መሰልጠኒ ስነ-ፅባቐን መመላኽዕን ትሪስ ወ/ሮ ትርሓስ ሃይለ እተን ተመረቕቲ ተምሃሮ ብዝሰልጠንኦ ሞያ ብቁዓት ኮይነን ሰሪሐን ናብርአን ክልውጣ ይግባእ ኢላ፡፡

#ብኣበባ ፅጋቡ