Home ዜና ምርቓ መፅሓፍ ”መኽመስመሳይ ባርዕ”

ምርቓ መፅሓፍ ”መኽመስመሳይ ባርዕ”

410

ምርቓ መፅሓፍ ”መኽመስመሳይ ባርዕ”

ብደራሲ ጸጋይ ገ/ሂወት(ቻርጀር) ዝተጽሓፈት መኽመስመሳይ ባርዕ ዘርእስታ መጽሓፍ ተመሪቓ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ መጽሓፍ ዝተረኸቡ ሙሁር ታሪኽ መ/ር ሙሉወርቂ ኪዳነማርያም ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ ተጋሩ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ንዘርእይዎ ዘለው ተሳትፎ ተጠናኺሩ ክቕጽል ከም ዝግባእ ተላብዮም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ብኣግባብ ተሰኒዱ ክቕመጥን ናብ ሓደሽቲ ወለዶ ክሰጋገርን ተሳትፎ ስነ-ጥበባውያን ዝያዳ ዝጠልብ ብምዃኑ ካብ ዝኾነ ግዘ ንላዕሊ ፣ ደረስቲ ናብ ባይታ ወሪዶም ፣ ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ነብሲ ወከፍ መንደራት ትግራይ መሬት ትግራይን ዝፈጸምዎም ዘስካሕክሑ ግፍዕታት ክስንዱ ይግባእ ኢሎም።

መጽሓፍ መኽመስመሳይ ባርዕ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ዝነበሩ ናይ መኸተ እዋን ተሳተፎ መናእሰይ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን እተዘንትው መጽሓፍ እያ።እዛ መፅሓፍ ኣብ ታሪኻዊ፣ ፖሎቲካዊ፣ ሃይማኖታውን ፍቕርን ዛዕባታት ዘድሃበት ነቶም ምእንተ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝተቓለሱን ዝተሰውኡን ጀጋኑና መዘከርታ እዩ ዝበለ ደራስን በዓል ምያ ሕግን ፀጋይ ገ/ሂወት መናእሰይ ወለዶ ታሪኽና ኣብ ምስናድን ምዕቃብን እጃምና ክነበርክት ይግባእ ኢሉ ፡፡

መፅሓፍ ቅንያዊ ግጥሚ መኽመስመሳይ ባርዕ 85 ገፃት ዘለውዎ እንትኸውን ደራሲ መጽሓፍ መኽመስመሳይ ባርዕ ኣይተ ጸጋይ ገ/ሂወት(ቻርጀር ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ መጽሓፍ ካቲም ክሳድ ናብ መንበብቲ ኣብጺሑ ምንባሩ ድማ ዝዝከር እዩ።

#መርሃዊ ተስፋይ