Home ዜና ምርግጋፅ ተሓታትነት ኣብ ጀኖሳይድ ትግራይ

ምርግጋፅ ተሓታትነት ኣብ ጀኖሳይድ ትግራይ

663

ኣብ ጀኖሳይድ ትግራይ ኢድ ዘለዎም ንክሕተቱ እንግሊዝ ክተሓባበር ይግባእ – ኣባላት ፓርላማ እንግሊዝ፡፡

ብመሰረት ስምምዕነት ሮማ /ሮምስታቹ/ ኢትዮጵያን እንግሊዝን ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝፈረማ ሃገራት ምዃነን ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢን ሓበራዊ ሃፍቲን ደብዳቤ ዘቕረቡ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እንግሊዝ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪካን ሓበራዊ ሃፍቲን ኣንድሬድ ሚችል ዝርከብዎም 7 ኣባላት ፓርላማ እንግሊዝ፤ መንግስቲ ሃገሮም ንገበነኛታት ተሓተትቲ ናይ ምግባር ሓላፍነቱ ክዋፃእ ፀዊዖም፡፡

ወታደራት ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ሕዚ ካብ መሬት ትግራይ ዘይምውፀኦምን ኣብ ጀኖሳይድ ትግራይ ኢድ ዘለዎም ገበነኛታት ብሕጊ ዘይምሕታቶምን፤ ንተግበራውነት ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣሕዲርሉ ምህላዉ ዝገለፁ እቶም ኣባላት ፓርላማ ፤ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ሓባራዊ ሃፍቲን እንግሊዝ ሙሉእ ዲፕሎማሲያዊ ፀቕጢ ክፈጥር ይግባእ ኢሎም፡፡

ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ካብ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ኩሎም ዕጡቓት ካብ ትግራይ ክወፁን ገበነኛታት ብሕጊ ክሕተቱን ነይርዎም፡፡ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ሓላፍነት ዘለዋ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ጀኖሳይድ ንዝፈፀሙ መርገፂ ክትወስድ ኣለዋ፤ ዝበለ ደብዳቤ 7 ኣባላት ፓርላማ እንግሊዝ፤ ሰራዊት ህግደፍ ኣብ ትግራይ ብምህላዉ ድማ ጀኖሳይድ ይቕፅል ኣሎ ክብሉ ከሲሶም፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2019 ክሳብ ሕዚ፤ እንግሊዝ ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ሚልዮን ፖውንድ ሓገዝ ምሃባ ዘዘኻኸሩ ኣባላት ፓርላማ እንግሊዝ፤ ንትግባራ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ሰራዊት ህግደፍ ካብ ትግራይ ክወፅእ ፀዊዖም ፡፡

ብገ/እግዛብሄር ሃይሉ