Home ዜና ምስረታ ውድብ ኣክሱማዊ ዋዕላ

ምስረታ ውድብ ኣክሱማዊ ዋዕላ

543

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገምን ዝመፀናሉ መንገድን በቲ ሐዚ ዘሎ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ክፍታሕ ዝኽእል ኣይኮነን–ውድብ ኣክሱማዊ ዋዕላ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1162/2011 ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ተመዝጊቡ ኣብ ትግራይ ንምንቅስቓስ ዝዓለመ ውድብ ኣኽሱማዊ ዋዕላ ምምስራቱ ኣተሓባበሪ እቲ ውድብ ዶክተር ሰለሙን ባርናባስ ዕላዊ ጌሮም።

እዚ ውድብ ንምምስራት ምኽንያት ዝኾኑ ሓሳባት ብዙሓት ዋላእኳ እንተኾኑ እቲ ቀንዲ ግን ህዝቢ ትግራይ ኣትይዎ ዘሎ ጉዕዞ ቁልቁለት በቲ ዝፀንሐን ልሙዱን ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ዝምለስ ዘይምኻኑን በዚ ዝገሃድ ህሉው መፃኢ ትግራይ ስለ ዘየለን እዚ ውድብ ንምምስራት ኣገዳስን እዋናውን ኮይኑ ረኺብናዬ ኣለና ዝበሉ ድማ መተሓባበሪ ክፍሊ ፓሎቲካዊ ጉዳያት እቲ ዉድብ ኣይተ ኣብርሃ ወልደማርያም እዮም።

ኣብ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ኣብ ስራሕ ዘለው ሕግታት ህዝቢ ትግራይ ዝገዝኡ እምበር ብሕጊ ክምራሕ ዝገብሩ ኣይኮኑን ዝበሉ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ነዚ ብምምዕርራይ ድማ ልዕልነት ሕጊ ዘረጋግፁን ክብርን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ዘዉሕሱ ኩሎም ኣሰራርሓታት ከምዘተኣታቱ ኣፍሊጦም።

ምውሓስን ምርግጋፅን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ወሳኒ ዕማም እዚ ውድብ እዩ ዝበሉ ኣተሓባበሪ ውድብ ኣኽሱማዊ ዋዕላ ዶክተር ሰለሙን ባርናባስ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍፀም ድማ ቀንዲ ውራይ እቲ ዉድብ ገይሮም ከምዝሰርሕሉ ኣገንዚቦም። እዚ ምስ ዘይኸውን ግና ቀንዲጠንቂ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ከም ዝኸውን ኣጠንቂቖም።

ሙስጦፋ ጡሃ