Home ዜና ‘ምቍራጽ ረድኤት ናይ ሞት ፍርዲ እዩ’

‘ምቍራጽ ረድኤት ናይ ሞት ፍርዲ እዩ’

454

‘ምቍራጽ ረድኤት ናይ ሞት ፍርዲ እዩ’

ኣቡን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲግራት ብፁዕ ኣባ ተስፋስላሰ መድህን፡ እቲ መጀመርታ ኣብ ትግራይ ጸኒሑ ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተተግበረ ውሳነ፡ ምቁራጽ ረድኤት ግቡእ ከምዘይኰነ ሓቢሮም።ገበነኛ ምእላሽ እምበር ረድኤት ጠቕሊልካ ደው ምባል፡ ፍታሕ ዘምጽእ ስጉምቲ ኣይኮነን እውን ኢሎም ኣባ ተስፋስላሴ።“ዝተጠፋፍአ ረድኤት ምፍታሽ ግቡእ እዩ። ነቶም ገበነኛታት ምእላሽ እውን ልክዕ እዩ። እቲ ቀደሙ’ውን ትሑት ዝነበረ ረድኤት ጠቕሊልካ ጠጠው ምባል ግን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ተጸበይቲ ዝኾኑ ሚልዮናት ምቕጻዕ እዩ” ኢሎም።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲግራት፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪታ መግለጺ ዘውጸአት ኰይና፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ንብረቱን መሳርሒኡን ከምዝተዘምተ፡ ኰነ ተባሂሉ ረድኤት ከምዝተኸልከለን ብምዝኽኻር፡ ‘ናይዚ ግዳይ ዝዀነ ህዝቢ ደጊምካ ምቕጻዕ’ ልክዕ ከምዘይኰነ የመልክት።“ገበርቲ ሰናይ፡ ሰብኣውነት ኣብ ግምት ከእትዉን ኣብ ልዕሊ እቶም ብሰንኪ ኲናት ንሓደጋ ሞት ዝተቓልዑ ተጸበይቲ ዝወሰንዎ ናይ ሞት ፍርዲ ደጊሞም ክርእዩዎን እጽውዕ” ይብል፡ ደብዳበ እታ ቤተ ክርስትያን።ኣባ ተስፋስላሰ ወሲኾም፡ “እዚ ስለዝተዓዘብና፡ ባዓልትና’ውን ኣብኡ እንነበር ኣካል እቲ ሕብረተሰብ ስለዝዀንና ኢና ነዚ መልእኽቲ ክነሕልፍ ደሊና” ብምባል መንፈስ ናይቲ መግለጺ ኣረዲኦም።ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት፡ ብፍላይ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ብሓይሊ ወሪሮም ኣብ ዝተቖጻጸርዎ ግዝኣት ትግራይ ዝነብር ህዘቢ ድማ፡ ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ይነብር ዘሎ ምዃኑ ተዛሪቦም።“ኣብ ኣብ ጸግዓ ጸግዒ ኤርትራ ይኹን ክልል ኣምሓራ፡ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዝበዝሕ ተመዛቢሉ ካልእ ድማ ዘይተበጻሓይ ኰይኑ ኣብ መከራን ጸበባን እዩ ዝርከብ” ኢሎም ኣባ ተስፋስላሴ መድህን።

ብሰንኪ ምቁራጽ ረድኤት፡ “ኣብ ትግራይ ዝመውትን ዝሓምምን ሰብ በዚሑ እዩ ዘሎ” ዝበሉ እቶም ኣቡን፡ ገበርቲ ሰናይን ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ነዚ ተረዲኦም፡ ውሳነኦም ክልውጡ ተማሕጺኖም።እታ ቤተ ክርስትያን፡ እቲ ህዝቢ ኣ’እምሮኡን ኣተሓሳስባኡን ናብ ንቡር ክምለስን ሰሪሑ ክበልዕን ትምህርቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕውየት ትህብ ከምዘላ ድማ ሓቢሮም።ልዕሊ ኵሉ ድማ፡ እቲ ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሰንሰን ዝበለ ህዝቢ ሰላምን ቅሳነትን ክረክብን ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስን ድማ ጻውዒት ገይሮም ክብል ቢቢሲ ገሊፁ።ሓላፊ ስግኣት ሓደጋ ኣመራርሓ ትግራይ ዶክተር ገብረሂወት ገብረእግዚኣብሄር ድማ “ረድኤት ካብ ዝቋረፅ ሓሙሽተ ወርሒ መሊእዎ ኣሎ።

ኣስታት 5.2 ካብ ህዝቢ ትግራይ እዩ ብረድኤት ዝመሓደር ነይሩ። ስለዚ እዚ ህዝቢ እዩ ረድኤት ካብ ዘይወስድ ሓሙሽተ ወርሒ ሓሊፍዎ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ሞት ሓደጋታት የጋጥም ኣሎ” ኢሉ።እቲ ስእነት ረድኤት ዘስዓቦ ሞት 728 ሰባት ኣብ ትግራይ ዞባታት ሰሜን ምዕራብ፣ ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን ከምዘጋጠመ ዝሓበረ ዶክተር ገብረሂወት፡ ህዝቢ እቶም ከባቢታት ድማ “ጉዳይ ስርቂ ክሳብ ዝጻረ ህዝቢ ይውዳእ ኣሎ።

ካብ ጥይት ብዘይነኣኣስ ሰብና ብጥምየት ይውዳእ ኣሎ” ዝብል ጥርዓን ናብ ትካላት ረድኤት ከምዘቕረቡ ገሊፁ።