Home ዜና ምቕፃል ቀረብ ሓገዝ ምግቢ ትካል ምግቢ ዓለም

ምቕፃል ቀረብ ሓገዝ ምግቢ ትካል ምግቢ ዓለም

499

ምቕፃል ቀረብ ሓገዝ ምግቢ ትካል ምግቢ ዓለም

ትካል ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣቋሪፅዎ ዝፀንሐ ቀረብ ሓገዝ ምግቢ ካብ ወርሒ ሓምለ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።እቲ ትካል ተሓገዝቲ ብኸመይ ከምዝምልመሉ ልዑል ቑፅፅር ድሕሪ ምግባር ካብ ቀፃሊ ወርሒ ሓምለ ቀረብ ሓገዝ ምግቢ ዳግም ንምጅማር ምትላሙ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ትካል ሓበሬታ ምርካቡ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

እቶም ላዕለዋይ ሓላፊ “ትካል ምግቢ ዓለም ኣብ ከይዲ ምሕራይ ተሓገዝቲ ዝበለፀ ቀጥታዊ ተሳትፎ ክህልዎ ይግባእ “ዝበሉ እንትኾን ፤ ካብ ዝምልከቶም ሰብ ስልጣን እወንታዊ ምላሽ ድሕሪ ምርካብ ኣብ ትግራይን ስደተኛታት ዝርከብሎም ከምፕታትን ዝግበር ሓገዝ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ክቕፅል ከምዝኽእል ገሊፆም።

ኣብ ኢትየጵያ ልዕሊ 20 ሚሊዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ከምዘለዉ ዝተገለፀ ኾይኑ ነዚ ከም ምኽንያት ተባሂሎም ዝተጠቐሱ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝሓለፉ 10ተታት ዓመታት ዘጋጠመ ድርቂን ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመመታት ዝተኻየደ ኲናትን እዮም።

ትካል ምግቢ ዓለም ካብዞም 20 ሚልዮን ሰባት ነቶም ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮም 6 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ሓገዝ ክህብ ምፅንሑ ሮይተርስ ኣፍሊጡ።

#ሃይለሚካኤል ገሰሰ