Home ዜና ምብዛሕ ምሩፅ ዘርኢ ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ምስ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም

ምብዛሕ ምሩፅ ዘርኢ ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ምስ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም

301

ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ምስ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም (FAO) ብምትሕብባር ብዘቕረበልና ምሩፅ ዘርኢ ሽምብራ ተረባሕቲ ንኸውን ኣለና ኢሎም ሓረስቶት ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ጣብያ ልምዓት።

ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለን FAOን ዘርኢ ኣብ ዘይርከበሉ እዋን ምሩፅ ዘርኢ ብምቕራብ ብዘይ ፍረ ክፀንሕ ዝነበረ መሬትና ብሽዊት ቀውዒ ንክሽፈን ስለ ዝሓገዙና ነምስግን ፣ እዚ ምትሕብባሮም ቀፃሊ ይኹን፣ ንሕና ውን ናብ ካልኦት ሓረስቶት ንክባፃ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም እቶም ሓረስቶት ።

ኣብታ ጣብያ ንዝርከቡ ልዕሊ 300 ሓረስቶት ብልቓሕ ብዝተውሃበ 100 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ሽምብራ ልዕሊ 80 ሄክታር መሬት ብኩታ ገጠም ዝለምዐ እንትኾ ኣብቲ ሕርሻ ዑደት ንዝገበሩ ሰብሞያን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን መብርሂ ዝሃቡ ተመራመርቲ፣ መተሓባበርቲ ምርምርን ሰብ ሞያ ሕርሻን እቲ ስራሕቲ ምብዛሕ ዘርኢ ውሕስና ምግቢ ሓረስቶት ኣብ ምርግጋፅ፣ ኣብ ዕዳጋ ተጠላቢ ምህርቲ ኣብ ምፍራይን ልሙዕነት ሓመድ ኣብ ምሕላውን ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎ ኣረዲኦም ።

ሓረስቶት ዝወሰድዎ ልቓሕ ምሩፅ ዘርኢ ብዓይነት ምስ መለሱ ካብ ዝተረፎም ምህርቲ እቲ 90 ሚኢታዊ ኣብ ዕዳጋ ካብ ዘሎ ዋጋ 15 ሚኢታዊ ወሲኹ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ዝዕድጎም እንትኾን ብዝምልከቶ ኣካል ፅሬቱ ምስተረጋገፀ ናብ ካልኦት ሓረስቶት ብምብፃሕ ወሲኹ ንክባዛሕ ክግበር እዩ ተመራመርቲ ከም ዝገለፁዎ።

ቐረብ ፀረ- ባልዕ፣ ዘበናዊ ናውቲ ሕርሻ፣ ካልኦት እታወታት ቴክኖሎጅን ንክማለኣሎም እቶም ሓረስቶት ዝሓተቱ እንትኾኑ ዕማም ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ብዋናነት ብምርምር ዝተረኸቡን ኣዋፃኣይነቶም ዝተረጋገፁን ዝረኣቲ ናብ ሓረስቶት ክበፅሑ ምግባር እኳ እንተኾነ ጠለብ እታውታት እቶም ሓረስቶት ብዝምልከቶም መድረግቲ ኣካላት ምላሽ ንክረክብ ኣብ ዝካየዱ ሓበራዊ መድረኻት እናቐረበ እዩ ፃዕርና ውን ክንቕፅል ኢና ኢሎም ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዶክተር ገብረኣምላክ በዛብህ ።

እቲ ኢንስቲትዩት በቲ ኲናት ከቢድ ዕንወት ዝበፅሖ ዋላ እንተኾነ ብዘለዎ ዓቕሚ ምስ መድረግቲ ኣካላት ተሓባቢሩ ኣብ 10 ማእኸላት ምርምር 460 ሄክታር መሬት ዝሸፈነ ንልዕሊ 1200 ሓረስቶት ዝሓቖፈ ሕፅረት ምሩፅ ዘርኢ ሓረስቶት ትግራይ ንምቅላል ኣብ ስርናይ፣ ጣፍ፣ ምሸላን ዕፉንን ስራሕቲ ምርምር የሳልጥ ምህላው ዶክተር ገብረኣምላክ ኣረዲኦም።ብኪሮስ መሓሪ