Home ዜና ቢሮ ኢንዳስትሪ ትግራይ ብውሽጣዊ ዓቕሚታት ዝስርሑ፣ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩን  ሸርፊ ወፃኢ ዘድሕኑን...

ቢሮ ኢንዳስትሪ ትግራይ ብውሽጣዊ ዓቕሚታት ዝስርሑ፣ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩን  ሸርፊ ወፃኢ ዘድሕኑን ስራሕቲ ኢንተርፕራይዝ ኣብ ምትብባዕ ትኹረት ተዋሂቡ ከም ዝስራሕ ኣረዲኡ።

1116

ቢሮ ኢንዳስትሪ በቲ ልሙድ ኤጀንሲ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንዱስትሪ ማኑፋክቸሪን ትግራይ 6378 ኢንተርፕራይዛት ከም ዝነበርዎን እዘን ትካላት በቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ከም ዝዓነዋን ካብቲ ቢሮ ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር።

ዕንወት እዘን ኢንተርፕራይዛት ዝፈጠሮ ቁጠባዊ ሃሰያን ማሕበራዊ ቁልውላውን ንምፍታሕ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከም ዘለው ድማ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪ ትግራይ ኣይተ መሓሪ ገ/ሚካኤል ገሊፆም።

እዘን ንልዕሊ 120ሺሕ ወገናት ዕድል ስራሕ ፈጢረን ኣብ ሃገራዊ ዕቤት ብፅሒተን ዝፍፅማ ዝነበራ ትካላት ምስ ፌዴራል መንግስቲ ብምውዳድ ናብ ስራሕ ዝኣትዋሉ ባይታ ንምምችቻው ይስራሕ ምህላዉ ኣይተ መሓሪ ኣገንዚቦም።

ተወሰኽቲ 390 ሓደሽቲ ኢንተርፕራይዛት ብምፍጣር ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ቁጠባዊ ቀልውላው ዝምጥን ዕድል ስራሕ ንምምችቻው መደብ ሒዝና ንሰርሕ ኣለና ክበሉ ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪ ትግራይ ኣይተ መሓሪ ገ/ሚካኤል ወሲኾም ኣረዲኦም።

ኣብ ከይዲ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ዝተለመዱ ማሕለኻታት ንምፍታሕ ዝሕግዙ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ይዝርግሑ ምህላዎም እውን ተገሊፁ።

ብውሽጣዊ ዓቕሚታት ዝስርሑን ሸርፊ ወፃኢ ዘድሕኑን ስራሕቲ ኢንተርፕራይዝ ኣብ ምትብባዕ ትኹረት ተዋሂቡ ከም ዝስራሕ ድማ ኣይተ መሓሪ ሓቢሮም።

ንህላወን ክብርን ዓዱን ህዝቡን ክብል ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ዝኸፈለን ይኸፍልን ዘሎ መንእሰይ ትግራይ ብቁጠባ ዓርሱ ዘሕውየሉ ባይታ ንምፍጣር ቢሮ ኢንዱስትሪ ብዕቱብ ከም ዝሰርሕ ድማ እቶም ሓላፊ ኣረዲኦም።

#ሕሉፍ ካሕሳይ