Home ዜና ምትዕርራይ ኣወሃባ ግልጋሎት መንገዲ ኣየር

ምትዕርራይ ኣወሃባ ግልጋሎት መንገዲ ኣየር

559

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ቅድሚ ሐዚ ዝረአ ዝነበረ ገደብ ዕድመን ምዝገባን ተጓዓዝቲ ክመዓራረ ብምግባር ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ስሩዕ ግልጋሎት ምሃብ ከም ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ጨንፈር መቐለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ክወሃብ ዝፀንሐ ግልጋሎት ምቑራፅ ትኬት በረራ ኣየር ጠጠዉ ኢሉ ናብቲ ቅድሚ ሐዚ ዝነበሮ ተመሊሱ ኣብ ከተማ ግልጋሎት ክወሃብ ከም ዝጀመረ ዝገለፁ ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ጨንፈር መቐለ ኣይተ ገብረዮሃንስ ወልደገብርኤል ናይዚ መቐፀልታ ቅድሚ ሐዚ ዝረአ ዝነበረ ገደብ ዕድመ ን ምዝገባን ተጓዓዝትን ክተርፍ ብምግባር ንኹሉ ክፍል ሕብረተሰብ ግልጋሎት በረራ ኣየር ይወሃብ ከም ዘሎ ገሊፆም።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ እቲ ዝነበረ ፀገም ክመዓራረ ብምግባሩ ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ዘጋጥም ዝነበረ ምጉልእላእ ዝፍትሕ ተግባር ምዃኑ ዝገለፁ ተጓዓዝቲ እቲ መንገዲ ኣየር ብወገኖም ነቲ ዝነበረ ፀገም ንምፍታሕ ዝተወሰደ ተበግሶ ብምንኣድ ዋጋ ክፍሊት በረራ ምስቲ ዘሎ ኩነታት መነባብሮ ኣብ ግምት ብምእታዉ ምምሕያሽ ክግበር ይግባእ ኢሎም።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ በበግዚኡ ኩነታት ተጓዓዝቲ ኣብ ግምት ብምእታዉ ምንካይ ዋጋ ክፍሊት በረራ ክገብር ምፅንሑ ዝገለፁ ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ጨንፈር መቐለ ኣይተ ገብረዮሃንስ ወልደገብርኤል እቲ ዋጋ ካብ ዝነበሮ 6800 ብር ናብ 4680 ብር ክንኪ ከም ዝተገበረ ብምሕባር ኣቐዲሞም ቅድሚ በረርኦም ትኬት በረራ ቆሪፆም ተመዝጊቦም ንዝፀንሑ ግን ብ3650 ብር ትኬት በረራ ክቖርፁ ከም ዝኽእሉ ገሊፆም።ካብዚ ብተወሳኺ ብኦንላይን ምዝገባ ከምዝተጀመረ ዝገለፁ ኣይተ ገብረዮሃንስ ተጓዓዝቲ በዚ ኣማራፂ እዉን ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ሓቢሮም።

ክብሮም ተስፋይ