Home ዜና ምንባር እምነ ሰረት ዕዳጋ ዓርቢ ዓዲኣሕፈሮም

ምንባር እምነ ሰረት ዕዳጋ ዓርቢ ዓዲኣሕፈሮም

687

ነባርነቶም ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዝኾኑ ኣይተ ዘዉድነህ ግርማካሳን ወ/ሮ መዓዛ ጌታቸዉን መዘከርታነቱ ንሰራዊት ትግራይ #TDF ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዕዳጋ ዓርቢ በወካሊኦም ኣቢሎም እምነ-ሰረት ኣንቢሮም።

እቲ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዕዳጋ ዓርቢ ፍሉይ ቦታ ማይ ተባይ ብተወለድቲ ኣቲ ከባቢ ዝኾነ ዳያስፖራ ዝህነፅ ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ክፍሊ ህፃናት ዝመሃርሉ በዓል 6 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምቕማጥ እምነ-ሰረት ኣመራርሓ ወረዳ፣ ነበርትን ተምህሮን ዘተረኸቡ እንትኾን እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ወርሒ ተዛዚሙ ግልጋሎት ምምህሃር ምስትምሃር ንክህብ ከም ዝስራሕ እዉን ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

ህፃናት ትግራይ ሰኣን ክላስን ናዉቲ ትምህርቲ ኣብ ገዘኦም ክዉዕሉ ኣይግባእን ዝብል ሰናይ ተበግሶ ወሲዶም ብዓቕሞም ሓደ ብሎክ ህንፃ ክሃንፁ በወካሊኦም ኣቢሎም እምነ ሰረት ዘንበሩ ግዱሳት ዳያስፖራ ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅልሉ እዉን ኣፍሊጦም። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ዳያስፖራ ትግራይ ከምቲ ኣብ እዋን መኸተ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ኣካይዱ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሐዚ ድማ ዝዓነወ ትካላት ትግራይ ዳግም ኣብ ምህናፅ ዝኸኣሎ ክሕግዝ ከም ዝግባእ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ ክብል መሳርሕትና ወያንተ ብዙነህ ካብቲ ቦታ ፀብፂቡ።