Home ዜና ምንባር እምነ ሰረት ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጓ

ምንባር እምነ ሰረት ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጓ

619

ምንባር እምነ ሰረት ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጓ

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ተጎጋ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ተጎጋ ንዘህንፆ ፋብሪካ ስሚንቶ ህንፀቱ ንምጅማር ሎሚ 15 ሰነ 2015 ዓ/ም እምነ ሰረት ኣንቢሮም።

ኣብቲ ኣብ መዓልቲ ሰማዕታት ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ምንባር እምነ ሰረት ኣመራርሓ ግዝያዊ መንግስቲ፣ ኣመራርሓ ውድባት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕ/ሰብን ተረኺቦም።

ኣቦ ወንበር ቦርድ ፋብሪካ ሲሚንቶ ተጎጓ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ እቲ ፋብሪካ ብልዕሊ 17 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ብር ካፒታል ዝተጣየሸ ኮይኑ እቲ ፋብሪካ ሕፅረት ሲሚንቶ ትግራይ ካብ ምቅላል ብተወሳኺ ብዝዕጠቖ ቴክኖሎጂ ኣብ ትግራይ ርኡይ ስግግር ከምዘለዎ ገሊፆም።

እቲ ፋብሪካ ናይ 5 ሚሊዮን ብፅሒት ማለት ዉን ሼር ንኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ሂቡ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ኣሸናፊ ብተወሳኺ ድማ እቲ ፋብሪካ ኣብ ዝትከለሉ ግራውቲ ዘለው ሓረስቶት ሰብ ብፅሒት ክገብሮም ወሲኑ ኣሎ ኢሎም።

#ዮሃንስ ብርሃነ