ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ተጎጋ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ተጎጋ ንዘህንፆ ፋብሪካ ስሚንቶ ህንፀቱ ንምጅማር ሎሚ 15 ሰነ 2015 ዓ/ም እምነ ሰረት ኣንቢሮም። ኣብቲ ኣብ መዓልቲ ሰማዕታት ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ምንባር እምነ ሰረት ኣመራርሓ ግዝያዊ መንግስቲ፣ ኣመራርሓ ውድባት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕ/ሰብን ተረኺቦም።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/1-56-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/2-55-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/3-51-1024x576.jpg)
ኣቦ ወንበር ቦርድ ፋብሪካ ሲሚንቶ ተጎጓ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ እቲ ፋብሪካ ብልዕሊ 17 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ብር ካፒታል ዝተጣየሸ ኮይኑ እቲ ፋብሪካ ሕፅረት ሲሚንቶ ትግራይ ካብ ምቅላል ብተወሳኺ ብዝዕጠቖ ቴክኖሎጂ ኣብ ትግራይ ርኡይ ስግግር ከምዘለዎ ገሊፆም። እቲ ፋብሪካ ናይ 5 ሚሊዮን ብፅሒት[50 ሼር] ንኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ፣ 500 ሽሕ ብር ዝዋግኦም ናውቲ ትምህርቲ ደፍተርን ብርዕን ንተምሃሮ ጣብያ ደብረ-ናዝሬት ተዋሂቡ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ኣሸናፊ ብተወሳኺ ድማ እቲ ፋብሪካ ኣብ ዝትከለሉ ግራውቲ ዘለው ሓረስቶት ሰብ ብፅሒት ክገብሮም ወሲኑ ኣሎ ኢሎም።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/4-44-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/5-28-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/6-20-1024x576.jpg)
#ብጥዑማይ ገዛኢ