Home ዜና ምንዳይ መፍትሒ ንፀገማት ትግራይ

ምንዳይ መፍትሒ ንፀገማት ትግራይ

174

ዓለምለኸ ሙሁራት ትግራይ ሕልኽላኽ ፀገማት ትግራይ ንኽፍትሑ ዝሐግዙ ብመፅናዕቲ ዝተደገፉ ሓሳባት ኣቕሪቦም።

ዓለምለኸ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ/ጂኤስቲኤስ/ሕልኽላኽ ፀገማት ትግራይ ንኽፍትሑ ዝሐግዙ ብመፅናዕቲ ዝተደገፉ ሓሳባት ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቕሪቡ።

እቲ ዓለም ለኻዊ ውዳበ ሙሁራት ህልዊ ፀገማትን መፍትሒኦምን ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ትግራይን ኣመልኪቱ ዘካየዶም መፅናዕትታት ምስ ኣመራርሓ ግዜያዊ ምምሕዳር ከምዝዘተየ ኣፍሊጡ።

ዓለምለኸ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ/ጂኤስቲኤስ/ ሕልኽላኽ ፀገማት ህዝቢ ንኽፍትሑ መበገሲ ፅሑፋት ብምስንዳእ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምስ መድረግቲ ኣካላት ክዝተየሎም ብምግባር ሰነዳት ኣማዕቢሉ ምፅንሑ ኣቦ መንበር እቲ ዓለም ለኸ ውዳበ ዶ/ር ገ/ኪዳን ገ/ስላሴ ይገልፁ።

ጭቡጣት ፀገማት ትግራይ ብምልላይ ዓለምለኸ ሙሁራት ትግራይ /ጂኤስቲኤስ/ መፅናዕትታት ኣካይዶም ዝውሰዱ መፍትሕታት ብዝተዋደደን ብዝተናበበን መንገዲ ንኽፍፀሙ ምስ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ይዝትዩ ከምዘለዉ ዶ/ር ገ/ኪዳን የብርሁ።

ዝተትሓዙ ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ንምዕዋት  ዓለምለኸ ሙሁራት ትግራይ  ጭቡጣት ተሞክሮታት ዓለም ብምቕማር መፅናዕትታት ዕላዊ ገይሩ ከምዘሎን ንተግባራውነቱ ድማ ኩሉ ይግበአኒ በሃላይ ክሰርሐሉ ዓሊሙ እቲ ውዳበ ሙሁራት ይሰርሕ ምህላዉ እቶም ኣቦ መንበር ይሕብሩ።

ትግራይ ገጢምዋ ንዘሎ ዝተሓላለኸ ፀገም መፍትሕታት ንምንዳይ ኣብ ዝግበር ዘሎ ምርብራብ ድማ ኩሉ ትግራዋይ ንዕዉትነቱ ፃዕሪ ክገብር ኣቦ መንበር  ዓለም ለኸ ሙሁራት ትግራይ ዶ/ር ገ/ኪዳን ገ/ስላሴ ፀዊዖም።

 ገ/መስቀል ኪሮስ