Home ዜና ምንጪ ስልጣነ፣ቦኽሪ ጥበብን ፍልፍል ኩሎም መቦቆላዊ ውህብቶ ትግራይ ኣኽሱም

ምንጪ ስልጣነ፣ቦኽሪ ጥበብን ፍልፍል ኩሎም መቦቆላዊ ውህብቶ ትግራይ ኣኽሱም

845

ኣሰር ኩሎም ሕላገታዊ መለለዪ ባህሊ ታሪኽን ተፈጥራዊ ኣሰራትን ዝርከበሉ ኣኽሱም ውፅኢት ኣእምራዊ ኢድን ልዑል መጠን ኣተሓሳስባ ፣ኣብ ልዕልን ትሕትን መሬት ዝተነፀፉ ውቁር ታሪካት ኣኽሱም ባሕሪ ጥንቲ ክብሪ ምዃና ዘመላክቱ እዮም

ኣብ ከምዚ ዝበለ ምድሪ ቀዳሞት እዩ 19 ሕዳር 2013 ዓ.ም ሓይልታት ፅንተት ጨፍጫፍ ዝፈፀምሉ

እቶም ነበርቲ ከምዘበልዎ “እዚ ኩሉ መከራ ኣሕሊፍና ፍትሒ እናቋመትና ግን ድማ ፀገምና ክነቃልል ኣብ ተነፃፃሪ ሃዋህው ሰላም ኮይና መዓልታዊ ዕዮና ነሳልጥ ኣለና” ይብሉ

እዞም ኣብ ዝተፈላላዩ ዘፈር ስራሕ ዝነጥፉ ወገናት ስነ ልቦናዊ ማህሰይቲ፣ማሕበረ ቁጠባዊ ምንቅስቃስ ፣ምዝሕሓል ተሪዝማዊ ፀጋን ብመሰረቱ ንምቅያር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ስርሑ ክጅምር ብተደጋጋሚ ይሓቱ

ኣብ መንገዲ ኣየር  ኢትዮጲያ ኣተሓባባሪ ፅገና መዕርፎ ነፈርቲ ክልላት ኣይተ ተወልደ ግርማይ ከምዝሓበርዎ ምድንጓይ ፀገም ከምዝፈጠረን ከምትካል ርዱእ ከምዝኮነን ብምሕባር ናብ ስራሕ ክኣቱ ከም መንገዲ ኣየር  ኢትዮጲያ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም

ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም በቲ ንቡርን ግቡእን ኣገባብ ኣጋይሽ ብክብሪ ንምቅባል ኣብ ምድላው ከምዘለው እውን ወሃብቲ ሪኢቶ ተዛሪቦም

         የማነ ገ/ሚኪኤል