Home ዜና ምዉሳኽ ሞት ተመዛበልቲ ብሰንኪ ስእነት ምግቢ

ምዉሳኽ ሞት ተመዛበልቲ ብሰንኪ ስእነት ምግቢ

519

ምዉሳኽ ሞት ተመዛበልቲ ብሰንኪ ስእነት ምግቢ

ብሰንኪ ምቁራፅ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ካብ ዝተዓቖቡ ተመዛበልቲ 22 ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ተሓቢሩ። ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትወሎምን ናብ መረበቶም ክምለሱን ዓሊሞም ንዓለም ድምፆም ንምስማዕ ሰልፊ ወፅዮም እኳ እንተነበሩ ዛጊድ መፍትሒ ብዘይምርካቦም ሞትን ስቓይን እቶም ሎሚ ዶ ፅባሕ ናብ መረበትና ይምልሱና እናበሉ ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ይዉስኽ ከም ዘሎን ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ተዓቚቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ንቴሌቭዥን ትግራይ ገሊፆም።

ብፍላይ ካብ ወርሒ ጉንበት ጀሚሩ ብሰንኪ ስእነት ምግቢ ዝሓልፍእ ህይወት ተመዛበልቲ ይውስኽ ከምዘሎ ስድረኦም ብጥሜት ዝመቱዎም ተፈናቐልቲ ሓቢሮም። ድሕሪ ስምምዕ ስላም ፕሪቶሪያ ጥራሕ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ተዓቚቦም ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ 22 ወገናት ብሰንኪ ጥሜት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዘፈር ተጠቃምነትን ተሳትፎን ከተማ ዓብዪ ዓዲ ወ/ሮ ማህደር ሃይለስላሴ ገሊፀን።

እቲ ፀገም ልዕሊ ዓቕሚ እታ ከተማን ምዃኑ ዝገለፃ ወ/ሮ ማህደር ማሕበረ ሰብ ዓለምን ካልኦት ትካላት ገበርቲ ሰናይን ንምድሓን ህይወት እቶም ተዛበልቲ ክረባረቡ ፃዉዒት ኣቕሪበን። ዓለምና ሎሚ ዓመት መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ እተኽብረሉ ዘላ ግዜ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ተመዛቢሎም ብሰንኪ ስአነት ምግቢን መድሓኒትን ኣደዳ ሕሱም ጥሜት፣ሞትን ስቓይን ኮይኖም ዝርከቡ ዜጋታት ቆላሕታ ክገብረሎም ይግባእ።

#ገ/መድህን ተ/መድህን