Home ዜና ምድላው በዓል ዓይኒ ዋሪ

ምድላው በዓል ዓይኒ ዋሪ

433

በዓል ዓይኒ ዋሪ ሃይማኖታውን ባህላውን ትውፊታቱ ሓልዩ ብዝደመቐ ኣገባብ ንክኽበር ምድላዋት ተወጊኑ ፦ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ከባቢኣን በቢዓመቱ 24 ነሓሰ ብድምቀት ዝኽበር በዓል ዓይኒ ዋሪ ሎሚዘበን እውን ሃይማኖታውን ባህላውን ስርዓቱ ሓልዩ ብዝደመቐ ኣገባብ ንክኽበር ምድላዋት ተወጊኑ ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣኽሱም ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ገብረመድህን ፍፁምብርሃን ኩነታት ምድላው እቲ በዓል ኣመልኪቶም ንቴሌቪዥን ትግራይ ብስልኪ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ በዓል ዓይኒ ዋሪ ሃይማኖታዊን ባህላውን ክብሪታቱ ሓልዩ ክኽበር ምስ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣክሱም ፅዮን ብሓባር ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቲ ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ልፍንታዊ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ንፈለማ ግዜ ዝኽበር ዘሎ በዓል ዓይኒ ዋሪ ሰላማዊ ኮይኑ ንክሓልፍ ነቲ በዓል ንምኽባር ዝመፁ ኣጋይሽ ኮነ ነበርቲ እቲ ከባቢ ውሕስነኦም ተሓልዩ ነናብ ዝመፅእዎ ብሰላም ክምለሱ ካብ ዞባ ክሳብ ከተማ ዘሎ መሓውር ፀጥታ ጥንኩር ምድላዋት ገይሩ ከምዘሎ እውን ኣይተ ገ/መድህን ኣፍሊጦም። ዛጊድ እቲ በዓል ካብ ሎሚ 21 ነሓሰ ጀሚሩ ‘ውድድር ፅባቐ ዓይኒዋሪ’ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ምክያድ ተጀሚሩ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ምእታው ከምዝጀመሩን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኮነ ካልኦት ከባቢታት ዝርከብ ማሕበረሰብ ድማ ኣብቲ ውቁብ ዝኾነ በዓል ክሳተፍ ፀዊዖም።

ኣብቲ 24 ነሓሰ 2015 ዓ/ም ዝኽበር በዓል ዓይኒ ዋሪ ኣመፃፅኣ፣ ሃይማኖታውን ባህላውን ትውፊታት ዓይኒ ዋሪ ዝገልፁ ፓነላትን ካልኦት ምርኢታትን ከምዝካየዱ ድማ ኣይተ ገ/መድህን ፍፁምብርሃን ኣብሪሆም።

ብተኽለወይኒ ኪዳነ