Home ዜና ምጅማር ትምህርቲ ኣብ ዝዓነዉ ትካላት ትምህርቲ ትግራይ

ምጅማር ትምህርቲ ኣብ ዝዓነዉ ትካላት ትምህርቲ ትግራይ

713

ተምሃሮን መምህራንን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ካብ ዝርሕቑ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቑፂሮም። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ማሕበረሰብ ትመህርቲ ኣፅኒቱን ኣፈናቒሉን እዩ፡፡ከም ሓበሬታ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ልዕሊ 85 ሚኢታዊት ኣብያተ ትምህርቲ ሙሉእ ብሙሉእን ብከፊልን ዓኒወን እየን፡፡

ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህፃውንትን ኣብፃሕን ድማ ትምህርቶም ከቋርፁ ተገዲዶም። ልፍንታውያን ፀላእቲ ፡ ትምህርቲ ከም መሳርሒ ጀኖሳይድ ተጠቒሞም ዘበን ተሳጋሪ ፅንተት ዘርኢ ፈፂሞም፡፡ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘቚፀረ ስምምዕነት ፕሪቶርያ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ስዒቡ ስሩዕ ትምህርቲ ትግራይ ካብ ዝጅምር ሓደ ሰሙን ኮይንዎ ኣሎ፡፡ ኣብ ክባን ዕፅዋን ጥሜትን ፅምእን ዝፀንሑ ወለዲ ተምሃሮ ፡ ንደቖም ሓቦ ኣስኒቖም ናብ ትምህርቲ ምልኣኽ ጀሚሮም ኣለው፡፡መምሃር ምሰትምሃር ብጠለብ እታወታት ከይድን ውፅኢትን ተመስሪቱ ፅፈት ትምህርቱ ይዕቀን፡፡ ኰይኑ ግና ኣብ ዕንወት ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ እዞም ሮቛሒታት ዘማለኣ ኣይኰናን።

ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ ትምህርቲ ግና ብፅፈት ትምህርቲ ዘይኮነስ ብምብቃዕ ጥራሕ ዝተመስረተ እዩ ክብሉ ኣብ ቢሮ ት/ቲ ትግራይ መራሒ ጉጅለ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣይተ ኪዳነማርያም ብስራት ይገልፁ።ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ኰነ ብኵናት ዝተሃሰያ ሃገራት ዓለም ቅልውላው ትምህርቲ ከጋጥሙን ግድን እዩ።

ካብ ፓኪስታን ክሳብ ኣፍጋኒስታን ካብ ሶማልያ ክሳብ ደቡብ ሱዳን ዝኣመሰላ ሃገራት ንቅሉውላው ትምህርቲ ምስ ተሳጠሓ ክልተ መንገዲ ተኸቲለን እየን ክንሳእርራ ዝጀመራ። እቲ ሓደ ሕብረተሰብ ተኰር ስልቲ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ዓለም ለኸ ትካላት ክሕግዙ ብምፅባርን እዩ። ትግራይ ብወገና ምልኣተ ህዝቢ ዘሳተፈ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ትኽተል ከምዘላ ተወካሊት ዳይሬክተር ኢንስፔክሽን ቢሮ ት/ቲ ትግራይ መ/ር ኣለም ይበይን ይሕብራ።ብርግፅ መብዛሕትኤን ኣብያተ ትምህርቲ ይትረፍ መምሃሪ ሓገዝ ስሩዕ መፃሕፍቲ የብለንን።

ኣይኰነን ዶ ኮፍ መበሊ መፅለሊ ክፍሊ እውን ኣይትረኽበለንን። ኣብ ክንዲ ኣብ ሰሌዳ ኣብ ቀፀላ ስባር እምኒ ይፅሕፉ ኣለዉ።ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ዘለው ተምሃሮ ዕድሜኦም 10 ዓመት በፂሑ ኣሎ። እዚ ትርጉም 4ይ ክፍሊ ክበፅሕ ዝነበሮ ተምሃራይ ኣብ 1ይ ክፍሊ ሀ ኢሉ ይጅምር ማለት እዩ።

ኣብ ዓመት ክልተ ደረጃ ትምህርቲ ዝሽፈነሉ መስርሕ ምትግባር ከም መፍትሒ ከምዝተወሰደ ድማ ኣይተ ኪዳነማርያም ብስራት ይዛረቡ።ብኣንፃሩ እዚ ስልቲ ኣመሃህራ ዝቋወሙ ሙሁራት ኣለው። ኣብ ፅፈት ብቕዓት ተምሃሮን ፀቕጢ ስራሕ መምህራንን ኣሉታዊ ፅልዋ ኣለዎ ኢሎም ይግምቱ።

ይኹን እምበር ዕድመን ደረጃ ትምህረትን ብመንፅር ሕውየት ስነልቦና ተቓንዩ ከምዝተሰረሐ እዮም ሰብ ሞያ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዘረድኡ።ተጀሚሩ ዘሎ ትምህርቲ ብመንፅር ተበፃሕነቱ ክዕቀን እንከሎ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ ኣሎ። እቲ ምንታይ ተምሃሮ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሕዚ እውን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተረሲዖም እዮም። ተፈናቐልቲ ዞባታት ምዕራብን ደቡብን ከምኡ እውን ብሄረሰብ ኢሮብ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበሉ መዳቡብቲ ከባቢታት ትግራይ ዘለው ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም። ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነትን ብተግባርን ክረጋገፅ ይግባእ ድማ ርኢቶ እቶም ሰብ ሞያ እዩ።

እቶም ኣብ ትምህርቲ ከቲቶም ዘለው ተምሃሮ እውን እንተዀኑ ተወሳኺ ስግኣት ኣለዎም። እቲ ምንታይ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ መነቆጢ ኣፅዋራት ፀላእቲ ስለ ዝነበረ። ከም ሳዕቤኑ እውን ብኣማኢት ዝቚፀሩ ህፃውንቲ ብተረፍ ቁምብላታት ህይወቶም ስኢኖም እዮም። ሰራዊት ትግራይ ብወገኑ ነዞም ቍምቡላታት ኣብ ምምካን ይርከብ። ሕብረተሰብ ድማ ግቡእ ግንዛበ ክወስድ ይግባእ።በዚ በለ በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለዎ ውሽጣዊ ተሞክሮ ምስ ዓለምለኻዊ ልምዲ ኣዛሚዱ ተምሃርኡ ከብቅዕ ኣለዎ።

ናውቲ ትምህርቲ ንክቐርብ ምስ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ወገናት ክሰርሕ ይግባእ።መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ትግራይ ኰነ ተባሂሉ እዩ ዓኒው። ዳግም ንምህናፅ ግዜ ክወስድ ይኽእል። ክሳብ ዝግሃድ ምስ እንቅዓ ፀገማት ፍልጠት ከቕስም ተበጊሱ ኣሎ።ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ብንቚሕ ተሳትፎ ህዝቡን ተወሳኺ ሓገዝ ዓለም ለኸ ትካላት ንክውሕዙ ዲፕሎማስያዊ ዓቕሙ ብምዕባይን ትንሳኤ ትምህርቲ ትግራይ ከረጋገፅ ትፅቢት ይግበር።

#ኤፍሬም ረደሀይ