Home ዜና ምጅማር ወፍሪ መጥባሕቲ ሕክምና

ምጅማር ወፍሪ መጥባሕቲ ሕክምና

163

ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ፣ግዚያዊ ምምሕዳርን ማእኸል ሕክምና ሓይሊታት ፀጥታ ትግራይን ንጉድኣት ኩናት ተጋደልቲ መጥባሕቲ ሕክምና መገጣጠሚ ጉለን ብርክን ተዋሂቡ ።

ምክትል ኮሚሽነር ቤት ፅሕፈት ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ተጋዳላይ ናስር መምሑር እዚ ከይዲ መጥባሕቲ ኣብ ጉዱኣትና ዘሎ መሰረታዊ ፅርገም ኣብ ምፍታሕ ዘለዎ እጃም ልዑል ምዃኑ ብምግላፅ ነቶም ተሓከምቲ ተጋደልቲ ዝከታተሉ ሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዝተመደቡን ብልዕሊ 147 ሚሊየን ብር ወፃኢ ይወሃብ ከም ዘሎ ገሊፆም ።

ነዚ ዕድል ዝረኸቡ ተሓከምቲ ተጋደልቲ ብወገኖም እቲ ሕክምና ንብዙሕ እዋናት ክፅበይዎ ድሕሪ ምፅናሕ በቲ ዝተረኸበ ዕድል ዓብይ ታሕጓስ ከምዝፈጠረሎምን ተጠናኺሩ ክቕፅል አለዎ ኢሎም ።

ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ትግራይን መጉዳእቲ ኣካል ገጢምዎም ቅልጥፍ ሕክምና ረኽቦም ክሓውዩ ዝግብኦም ተጋደልቲ ብስኣን ገንዘብ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ኣብ ሰቓይ ከምዝርከቡ ዝሓበሩ ድማ ሓላፊ ማእኸል ሕክምና ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ተጋዳላይ ካሕሳይ ኣብርሃ እንትኾኑ ነዚኦም ካብ ስቓይ ንምድሓን ድማ ኩሉ ትግራዋይ ዝክኣሎ ደገፍ ክገብር ፀዊዖም ።

እቶም ሕክምና ይወሃቦም ዘሎ ተጋደልቲ መጉዳእቶም ዝኸበደ ዋላኳ እንተኾነ ካብ ደገ ብዝመፁ ሰብ ሞያ ሕክምና ክትትል ይግበረሎም ክአም ዘሎን ድሒኖም ንኽወፁ ዘለዎ እጃም ልዑል እዩ ዝበሉ ድማ ድማ ካብቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ሓደ ዝኾኑ ዶ/ር ሚክያስ ፅሃየ እዮም ።

#ብሂይወት ሺበሺ