Home ዜና ምጅማር ድጎማ ነዳዲ ኣብ ትግራይ

ምጅማር ድጎማ ነዳዲ ኣብ ትግራይ

664

ካብ መንግስቲ ፌደራል ዝገብር ድጎማ ነዳዲ ኣብ ትግራይ ጀምሩ፡፡እቲ ብብርኪ ኢትዮጵያ ኣብ 2014 ዓ/ም ዝተጀመረ ድጎማ ነዳዲ ብስንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ልፍንታዊ ጀኖሳይዳዊ ወራርን ኲናትን ኣብ ትግራይ ዘይተጀመረ ምፅንሑ ስዒቡ ሐዚ ተረኺቡ ብዘሎ ሃዋህዉ ሰላም ትግራይ ከምተን ካልኦት ክልላት ተጠቃምት ድጎማ ነዳዲ ክትኾን ከምዝኸኣለት ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ትግራይ ገሊፁ፡፡

እቲ ዝተዉሃበ ድጎማ ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ግልጋሎት ዝህባ ተሽከርከርቲ ጥራሕ ዝፍቀድ ምዃኑን ከይዲ ኣከፋፍልኡ ድማ ንተጠቀምቲ ብመገዲ ቴሌ ብር ጥራሕ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡እዚ ስርዓት ኣብ ከተማ መቐለ ዝጀመረ እንትኾን ኣብ ትግራይ ቀንዲ ኣንፀርፅሮት ሕብረተሰብ ኮይኑ ዝርከብ ናህሪ ዋጋ ታሪፍ ዘቃልል እዩ ተባሂሉ፡፡

#ብገነት ካሕሳይ