Home ዜና ምጅማር ግልጋሎት ጉምሩክ ጨንፈር መቐለ

ምጅማር ግልጋሎት ጉምሩክ ጨንፈር መቐለ

762

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ግልጋሎት ጉምሩክ ሎሚ 21/08/2015 ዓ/ም ካብ ጅቡቲ ብቀጥታ ናብ መቐለ ዝተፈላለዩ ናውቲ ዝፀዓና ኣርባዕተ ተሸከርከርቲ ንፈለማ እዋን መቐለ ኣትየን፡፡

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት ንዝሓለፍ ክልተ ዓመታት ተቛሪፁ ዝነበረ ናይ ጉምሩክ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ጉምሩክ ጨንፈር መቐለ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ምኽባር ሕጊ ኣይተ መንግስተኣብ ይርዳውን ኣብ ዘፈር ኦፕሬሽን ምክትል ኣካያዲ ስራሕ በሪሁ ተስፍይ ገሊፆም፡፡

ኣምፃእቲ ፣መጓዓዓዝትን ፣ዓማዊልን ስሩዕ ዝኾነ ኣገልገልሎቶም ክጅምሩ ድማ እቲ ኮሚሽን ፀዊዑ፡፡ኣምፃእትን ሰብ ምያን ብወገኖም ተጀሚሩ ዘሎ ግልጋሎት ብምንኣድ ዘለው ፀገማት ብምፍታሕን እቲ ግልጋሎት ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክኸይድ ፌዴራል መንግስትን ዝምልከቶም ኣካላትን ብትኹረት ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም፡፡

#ሃፍታይ ባህረ